ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ሃፍቲ ኣፍሪካ ብምግላፅ ዝተዛብዑ ተረኻት ንምእራም ዝለዓለ እጃም ኣለዎ-እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ

ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 1/2018(ኢዜኣ) ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(Pulse of Africa) ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ሃፍቲ ኣፍሪካ ብምግላፅ ዝተዛብዑ ተረኻት ንምእራም ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ገሊፁ።
ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ምንቅስቓስ ስራሕ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ተዓዚቦም።



ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተዛብዐ ተረኽ ኣፍሪካ ዝቕይርን ንኣፍሪካ ዝውክልን ተወዳዳሪ ሚድያ ምህናፅ ከምዝግባእ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር) ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(Pulse of Africa) ዝተዛብዐ ተረኽ ኣፍሪካ ንምቕያር ዝተጣየሸ ሚድያ እዩ።
ኣባላት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብቲ እዋን ዑደቶም፤ እዚ ሓሳብ ጋህዲ ንምግባር ዝተጣየሸ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ባህላዊ፣ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ሃፍትታት ኣፍሪካ ብምግላፅ ዝተዛብዑ ተረኻት ንምእራም ዝለዓለ እጃም ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።



ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ እውነቴ ኣለነ ከምዝበልዎ፤ ኣፍሪካ ዋላ ኳ ወናኒት ተፈጥሮኣውን ባህላውን ሃፍትታት እንተኾነት ኣብቲ ካሊእ ዓለም ሽማ ብድኽነት፣ድሕረትን ኲናትን እናተልዓለ ፀኒሑ እዩ።
እዚ ዝተዛብዐ ተረኽ ብምቕያር ተረኽ ኣፍሪካ ምህናፅ ይግባእ ኢሎም።
ነዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣድላይነት ንኣፍሪካ ዝውክል ተወዳዳሪ ሚድያ ብምርዳእ መራሕቲ ዘፈልፈልዎ ሓሳብ ኣብ መሬት ብምውራዱ ንኢዶም።
ምክትል ኣካቢት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣዝመራው ኣንደሞ፤ ኣፍሪካ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝተረኸበላን ወናኒት ሃፍቲ ተፈጥሮን ምዃና ሓቢረን።
ይኹን እምበር እታ ኣህጉር ኣብ ኣደባባይ ዓለም ዝወሃባ ዝተዛብዐ ምስሊ ብምግላፅ፤ ምጥያሽ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ትኽክለኛ ምስሊ ኣፍሪካ ንምርኣይ ወሳኒ እዩ ኢለን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም