እቲ ኮሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ይጠቕሙ እዮም ዝበሎም ኣጀንዳታት ናይ ምፍላይ ስራሕ እናዛዘመ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ኮሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ይጠቕሙ እዮም ዝበሎም ኣጀንዳታት ናይ ምፍላይ ስራሕ እናዛዘመ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 30/2018(ኢዜኣ) ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀንሑ ፀገማት ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ይጠቕሙ እዮም ዝበሎም ኣጀንዳታት ናይ ምፍላይ ስራሕ እናዛዘመ ከምዝኾነ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ዘሳለጦም ስራሕትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ገለፃ ገይሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኮሚሽነራት እቲ ኮሚሽን፣ ኣምባሳደራት፣ተወከልቲ ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ዓለም ለኸ ትካላት ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ተሳተፍቲ ተረኺቦም።
ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሃገራዊ ዘላቒ ሰላም፣ምርግጋዕን ዲሞክራስን ንምርግጋፅ ኣብ ምኽክር ዝተመስረተ መፍትሒ ንምምፃእ እናተሰርሐ እዩ።
ነዚ ድማ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ድምፂ ኹሉ ዝስመዐሉ ሓቛፍን ኣሳታፍን ከይዲ እናተኸተለ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ነፃ፣ዘይሻራዊ፣ተኣማንነት ዘለዎም ኣሰራርሓታት ብምኽታል ስርሑ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ከይዲ እውን ኣሳታፊ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀንሑ ፀገማት ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ይጠቕሙ እዮም ዝተብሃሉ ኣጀንዳታት ናይ ምፍላይ ስራሕ እናዛዘመ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ውፅኢታዊ ንክኸውን ምስራሕ ካሊእ ኣንፈት ትኹረት ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም።