ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ኒውክሌር ዘለዋ ፕሮግራም ምስ ስታንዳርድን መምርሕታትን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ተግባራዊ ክትገብር እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ኒውክሌር ዘለዋ ፕሮግራም ምስ ስታንዳርድን መምርሕታትን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ተግባራዊ ክትገብር እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 30/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ኒውክሌር ዘለዋ ፕሮግራም ምስ ስታንዳርድን መምርሕታትን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ተግባራዊ ከምትገብር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ምክትል ዋና ዳይሬክተርን ሓላፊ ዲፓርትመንት ኔክሌርን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ሜካኤል ቹዳኮቭ (ዶ/ር) ጋር ሎሚ ዘትዮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምትሕብባር ኣብ ዘጠናኽሩ ስትራቴጂክ ጉዳያት ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ሰላማዊ ሓይልን ቴክኖሎጅን ኒውክሌር ንንፁህ ኢነርጂ፣ ጥዕና፣ ግብርና፣ ኢንዱስትርን ልህቀት ምርምርን ናይ ምጥቃም ፅኑዕ ባህጊ ከምዘለዋ እውን ገሊፆም።
ነዚ ድማ ሃገራዊ ፕሮግራም ሓይሊ ኑክሌር ኣብ ቀረባ እዋን ምጅማራን ኮሚሽን ሓይሊ ኑክሌር ብምጥያሽ ብዕሊ ናብ ስራሕ ምእታዋን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ኒውክሌር ዘለዋ ፕሮግራም ምስ ስታንዳርድን መምርሕታትን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ተግባራዊ ከምትገብር እውን ኣረጋጊፆም።
ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ኢትዮጵያ ካብ ኑክሌር ሓይሊ ስትራቴጂካዊ ተረባሕነታ ንምርግጋፅ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ጋህዲ ንምግባር ኩለ መዳያዊ ደገፍ ከምዝገብር እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምግላፆም እውን ኣረዲኦም።