ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ምስ ለውጢ ካብበያዊ ኣየር ዝተጠዓዓመ ጠንካራ ስርዓት ኢኮኖሚ ናይ ምህናፅ ራኢ ዘለዎ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 30/2018(ኢዜኣ) ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ምስ ለውጢ ካብበያዊ ኣየር ዝተጠዓዓመ ኣብ ዘተኣማምን ቀረብ ሓይሊ መሰረት ዝገበረ ጠንካራ ስርዓት ኢኮኖሚ ናይ ምህናፅ ራኢ ዝሓዘ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ሳንዶካን ደበበ ገሊፆም።
መድረኽ ምኽክር ፈላማይ ዓውዲ መፅናዕቲ ትግበራ ትካል እጃምን ሓላፍነትን መርሃ ግብሪ ብሄራዊ ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀመሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ዝካየድ መድረኽ ዓውደ መፅናዕቲ፤ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ሳንዶካን ደበበ፣ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ ኢነርጂ ሚካኤል ቹዳኮቭን ላዕለዎት ሓለፍቲ መዳርግቲ ትካላትን ተረኺቦም።



ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ሳንዶካን ደበበ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን፣ተኣማንን ሰላማውን መርሃ ግብሪ ኒውክሌር ንምህናፅ ቁልፊ ስጉምቲ ጀሚራ እያ።
ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ምስ ለውጢ ካብበያዊ ኣየር ዝተጠዓዓመ ስርዓት ኢኮኖሚ ዝሃንፅ ዘተኣማምን ቀረብ ሓይሊ ናይ ምፍጣር ራኢ ዝሓዘ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ስራሕ ልምዓት ሓይሊ ኒውክሌር እውን ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖምን ቁፅሪ ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ብሓላፍነት፣ግልፅነትን ምስ ዓለም ለኸ ሓለዋን ብርክን ድሕንነት ተጠዓዒሙን ተግባራዊ ዝግበር እዩ ኢሎም።
ብዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝግበር ጠንካራ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረ ምሕዝነት ከምዝስራሕ እውን ኣረጋጊፆም።



ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ተወዳዳሪነት ዓውድታት ጥዕና፣ግብርና፣ኢንዱስትሪ ሳይንስን ምርምርን ዘዕቢ ብሄራዊ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኣቶሚክ ሓይሊ ሚካኤል ቹዳኮቭ፤ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ንኣፍሪካን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ወሳኒ ምልክት ንቕድሚ ምጉዓዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ልምዓትን ብልፅግናን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ንፁህ፣ዘተኣማምንን ዘላቕን ድሕንነት ሓይሊ ንምሕላው ስትራቴጂካዊ ምልክት ተገይሩ ከምዝውሰድ ኣረዲኦም።
ራኢ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ እውን ካብ ምስ ባህጊ ልምዓት ህዝባ ብተወሳኺ ምስ ሕልሚ ምልዋጥ ኣፍሪካ ዝተጠዓዓመ እዩ ኢሎም።
ድሕንነት፣ዘተኣማንነትን ዘላቕነትን መርሃ ግብሪ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ እውን ምስ ሃገራዊ ራኢ ዝተጠዓዓመ ንክኸውን ዝገብርዎ ምትሕብባራት ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣረጋጊፆም።



ኣብ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ሓይሊ ተጠባባቒ ዳይሬክት ክፍሊ ጉዳያት ኣፍሪካ መምርሒ ምትሕብባር ቴክኒክ ጋሻው ገበየሁ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ልምዓት ሓይሊ ኒውክሌር ንምጅማር ዝወሰደቶ ስጉምቲ ደፋርን ርሑቕ ምሕሳብ ዘመላኸተን እዩ ኢሎም።
ዕቤት ሃገር ብዘተኣማምንን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ልምዓት ቀረብ ሓይሊ ምቅልጣፍ ከምዝግባእ ዘገንዝብ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።



 ንቀፃሊ ወለዶ ጠንካራን ዝበልፀገትን ሃገር ምውራስ ዘኽእል ቆራፅነት ከምዘርኢ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም