ልዕሊ ኹሉ ድልየትና ንሰላም ምፅናዕን ልምዓት ምርግጋፅን እዩ-ነበርቲ ከተማ መቐለ

መቐለ/ሕዳር/30/2018 (ኢዜኣ) ልዕሊ ኹሉ ድልየትና ንሰላም ምፅናዕን ልምዓት ምርግጋፅን እዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣረጋጊፆም።
ህዝቢ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋን ብምርካብ ተጠቃማይ ልምዓት ንምዃን ልዕሊ ኹሉ ዝደልዮን ነዚ ቅዱስ ተግባር ድማ ዝሰርሕን ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
ብመሰረት እዚ መንግስቲ ፌዴራል ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ዓሲሉ ተጠቃምነት ልምዓት እቲ ህዝቢ ንምርግጋፅ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ኣብዚ ፃዕሪ እዚ ብፍላይ ደገፍን ምትሕብባርን እቲ ህዝቢ እንተተወሲኸዎ እቲ ዝድለ ዓወት፣ዘላቒ ልምዓትን ተረባሕነትን ብቐሊሉ ምርግጋፅ ይካኣል።
ምስዚ ተኣሳሲሩ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ፤ ልዕሊ ኹሉ ሓዚ እንደልዮ ንሰላም ምፅናዕን ልምዓት ምርግጋፅን እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ።
ካብ ሞንጎ እቶም ወሃብቲ ሪኢቶ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ስራሕ ንግዲ ተዋፊሮም ዘለዉ ሀጂ ሰዒድ ሁሴን፤ በዓል ዋና ሰላምን ልምዓትን ዓርሱ ህዝቢ ስለዝኾነ ኩላትና ነዚ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም ።
ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ሐዚ ብዝነበሩ ጎንፅታት ህዝቢ በቲ ጎንፂ ተሃስዩ ብዙሕ ዋጋ ምኽፋሉ ብምዝኽኻር፤ ሐዚ ግና ኩሉ ሰላምን ልምዓትን ይደሊ፤ ነዚ ካዓ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኣመልኪቶም ።
እዚ እንተዘይተግቢርናን ሰላም እንተዘይኣምፂኢናን ኣብ ካልኦት ክልላት ሃገርና ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ናብ ክልል ትግራይ ንምምፃእ ከምዝኸብድ ሓቢሮም ።



ካልእ ርኢቶ ወሃቢ ነባሪ ክፍለ ከተማ ሰሜን ሓለቓ ዓሰርት ተካ ዘገየ፤ ስእነት ሰላም ዝፈጥሮ ፀገም እንታይ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር ሕዚ ዝመፀ ሰላምን ዝተጀመረ ልምዓትን ክቐፅል ምግባር ናይ ኩላህና ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም ።



ንሰላምና ሓሊና ልምዓትና ኣቀላጢፍና ምዝላቐ ሕድሪ ኩላህና እዩ ዝበሉ ድማ ነባሪ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣይተ ኣረጋዊ ጉላል እዮም ።
ጠንካራ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተሓዎሶ ስራሕ ልምዓትን ሰላምን ብዓወት ዝዘልቐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ነዚ ዝለዓለ ጉዳይ ግቡእና ሒዝና ክንዋሳእ ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆ።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም