ኢትዮጵያ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ጠንካራ ዲጂታል ኢኮኖሚ እናሃነፀት እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ጠንካራ ዲጂታል ኢኮኖሚ እናሃነፀት እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 30/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ጠንካራ ዲጂታል ኢኮኖሚ እናሃነፀት ከምዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
መበል 2ይ ጉባኤ ዲጂታል ክፍሊት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፤ ካብ 2026 ክሳብ 2030 ተግባራዊ ዝግበር ብሄራዊ ስትራቴጂ ዲጂታል ክፍሊት ኣብቲ ጉባኤ ኣጀሚሮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብዕዉት ኩነታት ተግባራዊ ብምግባር ብርክት ዝበሉ ዓወታት ምምዝጋቦም ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ጭቡጥ ዲጂታል ዕቤት ከምዘመዝገበት ብምግላፅ፤ ኣገልግሎት ተበፃሕነት ዲጂታል ፋይናንስ ብዘድንቕ ቅልጣፈ ከምዝተስፋሕፈሐ ተዛሪቦም።
መንግሥቲ ብዝወሰዶም ስጉምትታት ሪፎርምን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ጠንካራ መሰረት ከምዝተሃነፀ እውን ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ምህዳር ዲጂታል ፋይናንስ በቢ ዓመቱ ልዕሊ 18 ነጥቢ 5 ትሪሊዮን ብር ዕድጊት እናተኣናገደ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ከም ብሄራዊ ዲጂታል መለለዩ መንነት ፋይዳን ኣግልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብን ዝበሉ ዲጂታል ኣሰራርሓታት መንግሥቲ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣገልግሎታት ኣብ ሓደ ስፍራ ብምስላጥ ምንግልታዕ እናቐነሱን ግልፅነት እናመሓየሹን ምዃኖም ኣረዲኦም።
ብሄራዊ ባንኪ ኣሰራርሓታት ብምምዕባል ንዝውውር ገንዘብ ሞባይል፣ወሃብቲ ኣገልግሎት ክፍሊትን ሰብ ሞያ ፈጠራን ምችው ምህዳር ከምዝፈጠረ እውን ፀሪሖም።
ብኢት-ስዊች ዝተደገፈ ብሄራዊ ኣሰራርሓ ዲጂታል ክፍሊት ኣብ መንጎ ባንክታትን ዲጂታል ኣማራፅታትን ልዑል ገንዘብ ብቐሊሉ ክንቀሳቐስ ክኢሉ እዩ ኢሎም።
ኢንሼቲቭ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚልዮን ሓዊሱ ዲጂታል ክእለት ዘዕብዩ ስራሕቲ ትኹረት ከምዝተውሃቦም እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ዲጂታል ዓውዲ ዝተመዝገቡ ዓወታት እቲ ኢኮኖሚ ንቕድሚት ዘሳግሩ ብሄራዊ መሰረተ ልምዓታት ምዃኖም ብምሕባር፤ ይኹን እምበር ካብ ተበፃሕነት ብዝዘለለ ትርጉም ኣብ ዘለዎ ኣጠቓቕማ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ገሊፆም።
ብመዳይ እዚ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 መሰረተ ልምዓት ንምጥንኻር፣ኣጠቓቕማ ንምስፋሕን፣ክእለታት ንምህናፅን ፀገማት ዝፈትሕ ፈጠራ ንምትብባዕን ዝዓለመ እዩ ኢሎም።