ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዘሎ ሓበሬታ መንነት ምሕላው ዘኽእል ኣገልግሎት ዲጂታል ሰርቲፊኬት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 30/2018(ኢዜኣ) ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዘሎ ሓበሬታ መንነት ምሕላው ዘኽእል ኣገልግሎት ዲጂታል ሰርቲፊኬት ብዕሊ ኣጀሚሩ።
ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሀሚድ፤ ቅድሚ ሕዚ ንኤሌክትሮኒክ ፓስፖርት ኣገልግሎት ዲጂታል ሰርቲፊኬት ምጅማሩ ኣዘኻኺረን።
ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ዝተጀመረ ኣገልግሎት መለለዪ መንነት ሰርቲፊኬት ፋይዳ እውን ቀፃሊ ስራሕ እዩ ኢለን።



እቲ ኣገልግሎት ሰርቲፊኬት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ዝለዓለ ብርክታት ድሕንነት ብዘለዎም ቴክኖሎጂታት ዝተሓለወ ንክኸውን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ሓቢረን።
ስርቂ መንነት ንምክልኻል፣ምጭብርባርን ሓበሬታ መንነትን ብዘይ ኣግባብ ምጥቃም ንምክልኻል ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።
ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዲጂታል መለለዪ መንነት ኣገልግሎት ጥዕና፣ትምህርትን ባንክን ሓዊሱ ካልኦት ኣገልግሎታት ብዝሓሸ መልክዑ ንምርካብ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ኣረዲአን።
ምርግጋፅ ድሕንነት ፋይዳ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ኣገልግሎት ተበፃሒ ብምግባር ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንክህሉ ልዑል እጃም ከምዘበርክት እውን ገሊፀን።
ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ኢትዮጵያ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ ብግደኦም፤ 29 ሚሊዮን ዜጋታት ንመለለዪ መንነት ፋይዳ ምምዝጋቦም ተዛሪቦም።



መለለዪ መንነት ተበፃሒ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ድሕንነቱ ምሕላው ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት ሰርቲፊኬት ምጅማር ዓብይ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።
እቲ ኣገልግሎት ሰርቲፊኬት ተኣማንነት ዲጂታል ሰነዳት ፋይዳ ዘዕቢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም