ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስን ክፍሊትን ኢትዮጵያ ኣብ ቅልጡፍ ጉዕዞ ዕቤት እዩ ዝርከብ-ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 30/2018(ኢዜኣ) ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስን ክፍሊትን ኢትዮጵያ ኣብ ቅልጡፍ ጉዕዞ ዕቤት ከምዝርከብ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ኢትዮጵያ ተካልኝ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ካብ 2026 ክሳብ 2030 ተግባራዊ ዝግበር ስትራቴጂ ዲጂታል ክፍሊት ሎሚ መዓልቲ ኣብ መበል 2ይ ጉባኤ ዲጂታል ክፍሊት ኢትዮጵያ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ዕላዊ ኮይኑ።



ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ልዑል ዕቤት ዲጂታል ለውጢ እያ ትርከብ።
ስርዓታት ዲጂታል ክፍሊት ልዑል ተቐባልነት እናረኸቡን ንዕቤት ኢኮኖሚ ርኡይ እጃም እናበርከቱን ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ዝነኣድ ዲጂታል ለውጢ እናተኣናገደት ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ንዕቤት ዓውዲ ፋይናንስ ዓብይ ለውጢ እናኾነ ከምዝመፀ ፀሪሖም።
ብብርኪ ሃገር ፈጠራ ዘተባብዑ ኣሰራርሓታትን ኣብ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ዝግበሩ ዘለዉ ኢንቨስትመንትታትን እውን ነቲ ዕቤት ዝለዓለ እጃም ኣለዎም ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታል ዕድጊታት ቅልጡፍ ዕቤት እናርኣዩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ምስሊ ዕድጊት እታ ሃገር ታሪኻዊ ለውጢ ከምዘምፀአ ተዛሪቦም።
ኣብ ብሄራዊ መሰረተ ልምዓታት ክፍሊት ዝግበሩ ዘለዉ ስራሕቲ መመሓየሽታት ቅልጣፈን ድሕንነትን እናመሓየሹ እንትኸውን፤ ጠንካራ ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስ ንክህሉ መሰረት እናንበሩ እዮም ኢሎም።
ሰፊሕ ዲጂታል ዓቕሚ ዘለዋ ኢትዮጵያ ማእኸል ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ፋይናንስን ዕድጊትን እናኾነት ምምፃኣ እውን ገሊፆም።



ዋላ ኳ እዞም ዓወታት እንተሃለዉ ኣብ ተበፃሕነት ቴክኖሎጂ ዘለዉ ክፍተታት፣ህፁፅ ኣገልግሎታት ዘይምስፋሕን እናዓበዩ ዝመፁ ስግኣታት ድሕንነት ሳይበርን ሓዊሱ ፈተናታት ከምዘለዉ ሓቢሮም።
እዞም ፈተናታት ንምፍታሕ ምትሕብባር መንግሥትን ዓውዲ ውልቀን ኣድላይ እዩ ኢሎም።
ስትራቴጂ ብሄራዊ ዲጂታል ክፍሊት (2026-2030) ኣብ ኣገልግሎት ፋይናንስ ሓቛፍነት ከምዘጠናኽርን ፈጠራ ከምዘተባብዕን ኣረዲኦም።
እቲ ሓዱሽ ስትራቴጂ ዘተኣማምንን እሙንን ስርዓት ዲጂታል ክፍሊት ምዝርጋሕ፣ኣብ ውሽጢ ዲዛይን ኣገልግሎታት ፋይናንስ ፆታዊ ተረባሕነት ምዕባይን ምስ ዶብ ተሳገርቲ ክፍሊታት ዝጠዓዓም ስርዓት ክፍሊት ምፍጣርን ዘካተተ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም