ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ምስክር ወረቐት ክልላዊ ፓርቲ ተዋሂቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ምስክር ወረቐት ክልላዊ ፓርቲ ተዋሂቡ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /30/2018(ኢዜኣ) ብሔራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ምስክር ወረቀት ክልላዊ ፓርቲ ሂቡ።
እቲ ቦርድ ብመሰረት ዝተውሃቦ ስልጣን ንፓርቲ ስምረት ምስክር ወረቐት ሕጋዊ መረጋገፂ ክልላዊ ፓርቲ ፖለቲካ 29 ሕዳር 2018 ዓ.ም ምሃቡ ኣፍሊጡ።
ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) መስራቲ ጉባኤኡ 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።
ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ፓርቲ ስምረት ህዝቢ ትግራይ ብህወሓት እናበፅሖ ዘሎ ፅዕንቶ ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ዝተመስረተ ምዃኑ ተዛሪቦም።