መንግሥቲ መደመር ካብ ዲጂታል ተበፃሕነት ናብ ሓባራዊ ብልፅግና ዝተጀመረ ጉዕዞ ንምዕዋት ብትግሃት ክሰርሕ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 30/2018 (ኢዜኣ) መንግሥቲ መደመር ካብ ዲጂታል ተበፃሕነት ናብ ሓባራዊ ብልፅግና ዝተጀመረ ጉዕዞ ንምዕዋት ብቅዋም ምቕልጣፍ፣ምፍጣርን ዝላን ብትግሃት ከምዝሰርሕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ “ዲጂታል ኢኮኖሚ ምህናፅ ሕርያ ዘይኮነስ ብልሒ እዩ’ብዝብል ርእሲ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ መበል 2ይ ጉባኤ ዲጂታል ክፍሊት ኢትዮጵያ ብዕሊ ከምዘጀመሩ ሓቢሮም።



ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብውፅኢታውነት ተግባራዊ ብምግባር ንዜጋታት ቅልጡፍን ወፃኢ ዝቑጥብን ኣገልግሎታት ተበፃሒ ካብ ምግባር ብተወሳኺ መዓልታዊ ምንቅስቓስ መነባብሮ እናቃለለ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ስርዓት ኤሌክትሮኒክን ዲጂታል ዕድጊትን ተመራፂ መንገዲ ክፍሊት ንክኸውን ከምዘኽኣለ ኣመላኺቶም።
እዚ ድማ መነባብሮ ህዝብን ኣገልግሎት መንግሥትን ልዕሊ ሕርያ ብልሒ ዘለዎ ንክኸውን ከምዘኽእል ኣረዲኦም።
ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ብዝተዘርገሐ ስርዓት ዲጂታል ክፍሊት በቢዓመቱ ልዕሊ 18 ነጥቢ 5 ትሪሊዮን ብር ዝውውር ገንዘብ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ገሊጾም።
እዚ ዓወት ብዝለዓለ መልክዑ ብምቕፃል ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ናይ ምዕዋት ሽቶ ዘለዎ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ምፅዳቑ ኣዘኻኺሮም።



እቲ ስትራቴጂ ዲጂታል መሰረተ ልምዓታት ንምጥንኻር፣ተበፃሕነት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣጠቓቕማ እውን ንምስፋሕ ክእለት ንምህናፅን ፀገም ፈታሒ ፈጠራ ንምትብባዕን ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንዕዉትነቱ ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መንግሥቲ መደመር ካብ ዲጂታል ተበፃሕነት ናብ ሓባራዊ ብልፅግና ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ንምዕዋት ብቅዋም ምፍጣር፣ምቕልጣፍን ዝላን ክተግህ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም