መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ክካየድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 30/2018(ኢዜኣ) መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ እዚ ዓመት 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ከምዝካየድ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ዓ/ም ንዘካይዶ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ኣመልኪቱ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።
ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ እቲ ቢርድ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሳለጦም ስራሕቲ ቅድመ ምድላውን ካልኦት ስራሕትን ኣመልኪተን ገለፃ ገይረን።
ስለዝኾነ እውን መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝፀንሑ ሓቢረን።
ኣብያተ ፅሕፈት ጨንፈራት ናይ ምውዳብ ከምኡ እውን ጣብያታት መረፃ ምችው መዃኖም ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ከምዝተሳለጠ ፀሪሐን።
ውድባት ፖለቲካ ፕሮግራሞም ንህዝቢ ዘላልይሉ ስልጠና ከምዝተውሃበ እውን ገሊፀን።
ምዝገባ ሕፁያት እቲ ቦርድ ብዘማዕበሎ ሶፍትዌር ኣቢሎም ከምዝምዝገቡ ተዛሪበን።
ስለዝኾነ ድማ ውድባት ወይ ድማ ብውልቀ ዝወዳደሩ ውልቀ ሰባት ባዕሎም ዝምዝገብሉ ስራሕ ከምዝሰርሑ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ እቲ ቦርድ ስልጠና ምሃቡ ኣመላኺተን።
ብተወሳኺ እውን መረፅቲ በቲ ቦርድ ብዝማዕበለ ሶፍትዌርን ቅድሚ ሕዚ ብዝነበረ ኣሰራርሓን ብማኑዋል ከምዝምዝገቡ ኣረዲአን።
ፍቓድ ተዓዛቢ ንዝሓተቱ እውን እቲ ቦርድ ብዘማዕበሎ ሶፍትዌር ፍቓድ ንምሃብ ኣብ ናይ መወዳእታ ከይዲ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም መዓልቲ መውሃቢ ድምፂ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን።
ምችው ኩነታት ብዝምልከት ቀፃልነት ዘለዎም ዘተታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝሳለጡ እውን ገሊፀን።