ስልጠና ኢትዮ-ኮደርስ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት መናእሰይ ብምዕባይ ኣማራፂ ዕድል ስራሕ እናፈጠረ እዩ ዝርከብ 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 30/2018(ኢዜኣ) ስልጠና 5 ሚልዮን ኢትዮ-ኮደርስ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት መናእሰይ ብምዕባይ ኣማራፂ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ገሊፁ።
ኢንሼቲቭ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዕላዊ ዝተገበረ መርሃ ግብሪ መዕበዪ ዲጂታል ክእለት እዩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ሰሎሞን ሶካ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ ማሕበረሰብ ብምህናፅ ዓለም ዝበፅሐትሉ ብርኪ ዕቤት ንምስትኽኻል እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ስልጠና ኢትዮ-ኮደርስ ክእለት ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ዜጋታት ንክዓቢ ብምግባር ካብ ሃገር ብዝዘለለ ዓለም ለኸ ተወዳደርትን ተመረፅትን ንክኾኑ ኣኽኢሉ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ዜጋታት ዝረኸብዎ ፍልጠት ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣብ ኦንላይን ስራሕ ናይ ምፍጣርን ተቖፂርካ ናይ ምስራሕን ኣማራፂ ዕድል ስራሕ እናፈጠረሎም ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
እቲ ስልጠና ንዜጋታት ሰለስተ ነገራት ሒዙ ከምዝመፀ ብምሕባር፤ እቲ ሓደ ናይ ርሑቕ ወፍሪ ስራሕ ወይ ድማ ፍሪላንሲንግ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ትካላት ቢዝነስ ኣውትሶርስ ብምግባር ዝዋፈርሉ እዩ ኢሎም።
እቲ ሳልሳይ እውን ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ንኩባንያ ወፃኢ ከም ወኪል ዝሰርሕሉ ከይዲ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 12 ሽሕን 8 ሚኢትን 75 ንዝኾኑ ዜጋታት ስራሕ ርሕቐት ምፍጣር ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ከም ራይድን ፈረስን ዝበሉ መተግበሪታት ብምጥቃም ብዝሳለጡ ስራሕቲ ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዕድል ስራሕ እናፈጠረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብዚ መዳይ መተግበሪ ትራንስፖርት ራይድ ጥራሕ ብምጥቃም ን130 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም። 
ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ብልፅግናኣ ንምርግጋፅ ዓብይ ስንቂ ከምዝኾና ስልጠና ኢትዮ-ኮደርስ መርኣያ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም