መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ምስ ማዕቐፋት ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብምጥዕዓም ተግባራዊ ዝግበር እዩ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ምስ ማዕቐፋት ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብምጥዕዓም ተግባራዊ ዝግበር እዩ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 29/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ምስ ማዕቐፋት ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብምጥዕዓም ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መድረኽ ምኽክር መጀመሪ መርሃ ግብሪ ልምዓት ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ከምኡ እውን መጀመሪ ስራሕ ኮሚሽን ኒውክሌር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)፣ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒውክሌር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ሳንዶካን ደበበ፣ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኣቶሚክ ኢነርጂ ሚካኤል ቹዳኮቭን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መዳርግቲ ትካላትን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ስልጣነ ደቂ ሰባት ምስ ልምዓት ኣማራፂ ሓይሊ ሓዊ፣ማይ፣ንፋስን ሃፋን ዝተኣሳሰረ እዩ።
ኢትዮጵያም ብልምዓት ሰብ ስራሕ ብልሕን ቴክኖሎጂን ኣብ ጉዕዞ ሓዱሽን ኣድላይ ኣብዮት ኢንዱስትርን ከምትርከብ እውን ሓቢሮም።
ሓይሊ ኒውክሌር ንዘላቒ ብልፅግና መሰረት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ድሌት ሓይሊ ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚን በዝሒ ህዝብን ኢትዮጵያ ንምምላእ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጂካዊ ኢንቨስትመንትታት ህንፀት መሰረተ ልምዓት ምስፋሕ ኣድላይ ኮይኑ እዩ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ እውን ኣብ ጥዕና፣ግብርናን ካልኦት ዓውድታት ልምዓትን ተግባራዊ ብምግባር ድሌት ሓይሊ ብምምላእ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እታ እንደልያ ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝገብር ብሄራዊ ትካል ልምዓት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ምስ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ እውን ብርኪ ድሕንነትን ግልፅነትን ብሄራዊ መርሃ ግብሪ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ንምሕላው እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ኢትዮጵያ ኣብ ጠንካራ ምትሕብባር መሰረት ብምግባር ምስ ዓለም ለኸ ረቛሕታት፣ብርክታትን ማዕቐፋት ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂን ሙሉእ ብሙሉእ ብምጥዕዓም ተግባራዊ ዝግበር እዩ ኢሎም።