ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ወፅኢት ተመዝጊቡ እዩ-ሚኒስትር ኣዲሱ ኣረጋ - ኢዜአ ትግርኛ
ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ወፅኢት ተመዝጊቡ እዩ-ሚኒስትር ኣዲሱ ኣረጋ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 29/2018(ኢዜኣ) ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ወፅኢት ከምዝተመዝገበ ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።
ኣብ ልምዓት ስርናይ እኽልታት ቅብኣትን ዝጠመተ መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ግብርና ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዓብይ ዓወት ተመዝጊቡ እዩ።
ብፍላይ ድማ ብብርኪ ኢንሼቲቭ ፍሉይ ትኹረት ኣብ ዝተውሃቦም ከም ስርናይን እኽልታት ቅብኣትን ኣብ ዝበሉ ፍርያታት ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ፍርያትን መፍረያይነትን ስርናይ ብዝለዓለ ብርኪ ብምዕባይ ንዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።
ኣብ እኽልታት ቅብኣት እውን ልዑል መፍረያይነት ከምዝተመዝገበ ፀሪሖም።
መፍረያይነት ስርናይን እኽልታት ቅብኣትን ዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባርን ዘጋጥሙ ዘለዉ ፈተናታት ንምፍታሕን ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም።