ሰላማዊ ልምዓት ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ኣገልግሎት ጥራሕ ዝውዕል እዩ-ኮሚሽነር ሳንዶካን ደበበ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 29/2018(ኢዜኣ) ሰላማዊ ልምዓት ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ኣገልግሎት ጥራሕ ዝውዕል ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒውክሌር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ሳንዶካን ደበበ ገሊፆም።
መድረኽ ምኽክር መጀመሪ መርሃ ግብሪ ልምዓት ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ከምኡ እውን መጀመሪ ስራሕ ኮሚሽን ኒውክሌር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)፣ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒውክሌር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ሳንዶካን ደበበ፣ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኣቶሚክ ኢነርጂ ሚካኤል ቹዳኮቭን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መዳርግቲ ትካላትን ተረኺቦም።



ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒውክሌር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ሳንዶካን ደበበ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ልምዓት ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ድሕንነት ሓይሊ ብምርግጋፅ ኣብ ስግግር ኢኮኖምን ህንፀት ዓቕሚ ምፅዋር ነዊሕ እዋንን ዝተመስረተ ብሄራዊ ተበግሶ ልምዓት እዩ።
ሰላማዊ ልምዓት ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ንፁህ ቀረብ ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ብምዕባይ ብማዕቐፍ ትግበራ ጥዕና፣ግብርና፣ኢንዱስትሪን ምርምርን ዝተቓነየ እዩ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ሳይንስ እውን ሂወት ኢትዮጵያውያን ብዝጭበጥ ዘመሓይሹ ረብሓታት ዝርከበሉ ዕድል ምርግጋፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ፅባሕ ምብሳር ምረቓ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባ ክሳብ ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ መድረኽ ኣቶሚክ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ልምዓት ኒውክሌር ዘለዋ ቆራፅነት ምርግጋፆም ኣዘኻኪሮም።



በዚ ድማ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ንሰላማዊ ኣገልግሎት ጥራሕ ንምጥቃም ሙሉእ ብሙሉእ ቆራፅ እያ ኢሎም።
ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሌር ኢትዮጵያ ብዝተውሃቦ ግልፂ ስልጣንን ብዝተፈጠረሉ ጠንካራ መዋቕርን ምስ ዓለም ለኸ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም