ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምጉዳእ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ምስ መንግሥቲ ብምዃን ክንቃለሶም ኢና-ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018(ኢዜኣ) ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምጉዳእ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ምስ መንግሥቲ ብምዃን ከምዝቃለስ ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ገሊፁ።
ኣባላት ኣመራርሓ ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኣምሓራ ኣብ ዝገበርዎ ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ኢትዮጵያ ዞባ ቅልውላው ንምግባር ፀላኢ ካብ ወፃእን ውሽጥን ዘካይዶ ዘሎ ሽርሒ ከምዘይዕወት ሓቢሮም።
ሓላፊ መምርሒ ርክብ ወፃኢ ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ካፒቴን ማስረሻ ሰጤ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ብዝተፈጠረ ጎንፂ እቲ ህዝቢ ዘይግባእ መስዋእቲ እናኸፈለ ፀኒሑ እዩ።
እዚ ንከብቅዕ ድማ እቲ ትካል ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኣምሓራ ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ምግባሩ ብምግላፅ፤ ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ንምምላስ ከምኡ እውን ንተረባሕነት እቲ ህዝቢ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ቤት ህንፀት ዘለዉን ኣጀንዳ ገንፃልን መገንፀልን ዘይኽተሉን ኣባላት ፋኖ ንክፍትሑ፣ጉዱኣት ኣካልን ካልኦት ጉድኣት ዝበፅሖምን ዳግማይ ንክጣየሹ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ እውን ሓቢሮም።
ዓቕምን ክእለትን ዘለዎም ኣባላት ፋኖ ናብ ዝነበርዎ መዋቕር ስራሕ ተመሊሶም ንክሰርሑ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ዞባ ቅልውላው ንምግባር ፀላኢ ካብ ወፃእን ውሽጥን እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር እዚ ሽርሒ ንከይዕወት ክንገብር ኢና፤ ንብሄራዊ ረብሓ ሃገርና እውን ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም።
ሓላፊ ሓበሬታን ድሕንነትን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ መስፍን ኣባተ ብግደኦም፤ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ቃልሲ ፋኖ ንምጭዋይ እናሰርሑ እዮም ኢሎም።
ሽርሒ ግዳማዊ ፀላእቲ ምርዳእ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ እቲ ትካል ናብቲ ስምምዕ ዝመፀሉ እዚ ናይ ደገ ሓይልታት ሽርሒ ንከይዕወት ንምግባር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኣምሓራ ኣብ ዝተገበረ ድርድር እውን ተረባሕነት ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ዘዕብዩ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም።



መንግሥቲ ፌዴራልን ኣምሓራን ኣብቲ ክልል ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ናብ ሰላም ንክመፁን ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍትሑን ተደጋጋሚ ፃውዒት ምግባሮም ዝፍለጥ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም