ካሜሩን ንዕዉትነት ስትራቴጂካዊ ስምምዕ ካምቴልን ኢትዮ ቴሌኮምን ኣድላይ ደገፍ ክትገብር እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ጆሴፍ ዲዮን ንጉቴ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ካሜሩን ንዕዉትነት ስትራቴጂካዊ ስምምዕ ካምቴልን ኢትዮ ቴሌኮምን ኣድላይ ደገፍ ክትገብር እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ጆሴፍ ዲዮን ንጉቴ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018(ኢዜኣ) ካሜሩን ቴሌኮሙኒኬሽን ካሜሩን(CAMTEL)ን ኢትዮ ቴሌኮምን ዝፈጠርዎ ስትራቴጂካዊ ጥምረት ውፅኢታዊ ንክኸውን ኣድላይ ደገፍ ከምትገብር ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ጆሴፍ ዲዮን ንጉቴ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቴሌኮሙኒኬሽን ካሜሩን(CAMTEL)ን ኢትዮ ቴሌኮምን ኣብ ካሜሩን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምቅልጣፍ ዘኽእል ስምምዕ ኮንትራት ተፈራሪሞም።
እቲ ስምምዕ ኣብ ካሜሩን ብምርካብ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ዋና መካየዲት ስራሕ ካምቴል ጁዲት ያህ ሰንዴይን እዮም ፈሪመምዎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ካሜሮን ጆሴፍ ዲዮን ንጉቴ(ዶ/ር)፤ ኢትዮ ቴሌኮምን ካምቴልን ዝፈጠርዎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንኢዶም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዲጂታላይዜሽን ዓምዲ ዘላቒ ልምዓት ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ጋህዲ ክኸውን ዝኽእል ድማ ኣብ መንጎ ትካላት ቴሌኮም ኣፍሪካ ጠንካራ ምትሕብባር እንትህሉ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ መዳይ ድማ ክልቲኦም ትካላት ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ንኢዶም።
መንግስቲ ካሜሩን ንዕዉትነት ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት እቶም ትካላት ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር እውን ኣረጋጊፆም።
እቲ ጥምረት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ ካሜሩን እውን ንክድገም ከምዝገብር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምግላፆም ኢትዮ ቴሌኮም ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።