ደቂ መራሕቲ ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካ ንዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ጎብንዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018 (ኢዜኣ) ደቂ፣ደቂ ደቂ ንምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ምስረታ ሕብረት ኣፍሪካን ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዝነበሮም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ንዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ጎብንዮም።
ንፈላማይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝነበሩ ፓትሪስ ሉሙምባ ወዶም ኦኪቶ ሮላንድ፣ ንፈላማይ ፕሬዚዳንት ጋና ዝነበሩ ኩዋሜ ኑኩሩሃማ ወዲ ወዶም ሜሌጋ ክዋሜ ቶማስ፣ንፈላማይ ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ዝነበሩ ኬኔት ካውንዳ ወዶም ካውንዳ ካውቼ፣ንነበር ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ኔልሰን ማንዴላ ወዲ ወዶም ማንዴላ ንዲሌካን ንፈላማይ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጁሊየስ ኔሬሬ ወዱ ኔሬሬ ጎድፍሬይ ማዳራካን ካብቶም ጎብነይቲ እዮም።



እቶም ጎብነይቲ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ መግለፂ ዓርስኻ ምኽኣል ኣፍሪካን መርኣያ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንዕቤት ንምጥቃም ዘለዎ ቆራፅነትን እዩ ኢሎም።
እቲ ግድብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ምልክት ለውጢ፣ሰዓራይነትን ልኣላዊነትን ንክትኸውን ከምዝገበራ ሓቢሮም።
ደቂ መራሕቲ ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካ መዘከርታ ዓወት ዓድዋን ቀዋሚ ኤግዚቢሽን ሙዜም ሳይንስን ዝጎብነዩ እንትኸውን ካልኦት ስራሕቲ እውን ከምዝጉብንዩ ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም