ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂን ዲጂታላይዜሽንን ንሃገራት ኣፍሪካ እውን መርኣያ ዝኸውን ዝነኣድ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂን ዲጂታላይዜሽንን ንሃገራት ኣፍሪካ እውን መርኣያ ዝኸውን ዝነኣድ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂን ዲጂታላይዜሽንን ንሃገራት ኣፍሪካ እውን መርኣያ ዝኸውን ዝነኣድ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ደቂን ደቂ ደቂን ንምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ምስረታ ሕብረት ኣፍሪካን ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዝነበሮም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ገሊፆም።
ደቂን ደቂ ደቂን ንምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ምስረታ ሕብረት ኣፍሪካን ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዝነበሮም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ንቀዋሚ ኤግዚቢሽን ሙዜም ሳይንስ ጎብንዮም።
ወዲ ወዱ ንነበር ፕሬዚዳንት ጋና ክዋሜ ንክሩማ ክዋሜ ቶማስ፤ መንግስትታት ሃገራት ኣፍሪካ ቴክኖሎጂ ንዜጋታት እታ ኣህጉር ዘለዎ ኣድላይነት ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ግብርና፣ተሓዳሲ ሓይሊ ዝነኣድ ስራሕ እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣብ ቀዋሚ ኤግዚቢሽን ሙዜም ሳይንስ ምዕዛቡ እውን ገሊፁ።
ጓል ነበር ፕሬዚዳንት ጋና ክዋሜ ንክሩማ ሳሚያ ያባ ክርስቲና፤ ኣብ ኣፍሪካ ልምዓት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዘሳልጥ ብፍልጠትን ክእለትን ዝማዕበለ ሓይሊ ሰብ ምፍራይ ከምዘድሊ ተዛሪባ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝሳለጥ ዘሎ ዝነኣድ ስራሕ ኣብታ ኣህጉር ንዘለዋ መሪሕ እጃም ዘዕቢ ከምዝኾነ ኣረዲኣ።
ጓል ፖለቲከኛን ኣክቲቪስትን ፀረ ኣፓርታይድ ከምኡ እውን ነበር ፕሬዚዳንት ብሄራዊ ኮንግረስ ኣፍሪካ ኦሊቨር ታምቦ ኖማቴምባ ታምቦ፤ ብመንፈስ ፓን-ኣፍሪካኒዝም መናእሰይ እታ ኣህጉር ዝመሃርሉ መድረኽ ምፍጣር ከምዘድሊ ሓቢራ።
ኣፍሪካውያን እውን ልውውጥ ልምዲ ሕድ ሕድ ባህሊ መነባብሮ ብምግባር ኣብ ኣተኣኻኸብቲ ጉዳያት ብትኹረት ክሰርሑ ኣለዎም ኢላ።