ኣብ ጣብያታት መከፋፈሊ ኤሌክትሪክ ፅሬት ኣገልግሎትን መጠን ተበፃሕነትን ዘዕብዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018(ኢዜኣ) ኣብ ጣብያታት መከፋፈሊ ኤሌክትሪክ ፅሬት ኣገልግሎት ዘመሓይሹን መጠን ተበፃሕነት ዘስፍሑን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ፅሬትን ተበፃሕነትን ዝህቦ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ስራሕ እናሳለጠ ፀኒሑ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ዓቕሚ ምሽካም ሓይሊ ጣብያታት ንምዕባይ ስዊቻት መቆፃፀሪ ጣብያታት ብምቕያር ተወሳኺ ዓማዊል ንክተኣናግዱ እናተገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ እውን ሓደሽትን ተወሳኺ ዓቕሚ ዘለዎምን ትራንስፎርመራት ናይ ምቕያር ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ፅሬት ኣገልግሎት ብምምሕያሽን ተበፃሕነት ብምስፋሕን ተጠቀምቲ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ኣገልግሎት ንክረኽቡ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ኣዋሽ ሰባት፣ወልቂጤ፣ኮምቦልቻ፣ወላይታ ሶዶ፣ከተማ ኣለም ገናን ኣብ ካልኦት ከባብታትን ዝርከቡ መከፋፈልቲ ጣብያታት ብዘበናዊ ስዊቻት መቆፃፀሪ ከምዝተቐየሩ ኣረዲኦም።
ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ንኬንያ፣ጁቡቲን ታንዛንያን ብመሸጣ ካብ ዝቐረበ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ካብቲ ትልሚ 25 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም