ካምቴልን ኢትዮ ቴሌኮምን ኣብ ካሜሩን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምቅልጣፍ ስምምዕ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 26/2018(ኢዜኣ) ቴሌኮሙኒኬሽን ካሜሩን(CAMTEL)ን ኢትዮ ቴሌኮምን ኣብ ካሜሩን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምቅልጣፍ ዘኽእል ስምምዕ ኩንትራት ተፈራሪሞም።
እቲ ስምምዕ፤ ኣብ ካሜሩን ያውንዴ ብምርካብ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ዋና መካየዲ ስራሕ ካምቴል ጁዲት ያህ ሰንዴይን ፈሪመምዎ።



ስምምዕ ክልቲኦም ትካላት(Master Service Agreement) ኣካል ሓለፍቲ ስራሕ ኩባንያ ካምቴል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ሚያዝያ 2025 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ስዒቡ ዝተጀመረን ጋህዲ ዝኾነን ርክብ ምትሕብባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብቲ እዋን እውን ኣመራርሓ ካምቴል ኢትዮ ቴሌኮም ሃገራዊ ኣጀንዳ"ዲጂታል ኢትዮጵያ" ኣብ ምቅልጣፍ ዘበርከቶ ወሳኒ እጃም ብምዕዛብ ኣብ ካሜሩን ተመሳሳሊ ዲጂታል ዓወታት ንምትግባር ዘለዎም ድሌት ገሊፆም ኔሮም እዮም።



ስትራቴጂካዊ ዕላማ ካምቴል እውን ኣገልግሎታት መንግሥቲ ናብ ዲጂታል ምቕያር፣ ሓቛፊ መፍትሕታት ዲጂታል ፋይናንስ ጋህዲ ምግባርን ምምዕባል ገመድ ኣልቦ ኔትወርክን ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም