እቲ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንኹሉ ወገን ኣሸናፊ ዝገበረን ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝሃበን እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንኹሉ ወገን ኣሸናፊ ዝገበረን ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝሃበን እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 26/2018(ኢዜኣ) እቲ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንኹሉ ወገን ኣሸናፊ ዝገበረን ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝሃበን ከምዝኾነ ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ውድባት ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ብኣደራዳሪነትን ኣተሓባባሪነትን በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ን ሕብረት ኣፍሪካን ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ትማሊ ምፍራሙ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ዝገበሩ ኣመራርሓ ተነሓናሕቲ ውድባት እውን፤ እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ እትገልፆ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ናይ ምሃብ ቅዋም ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም እውን ዘይምርድዳኣት ንኹሉ ወገን ኣሸናፊ ብዝገብር መልክዑ ብድርድርን ዝርርብን ምላሽ ምሃብ ከምዝከኣል ትምህርቲ ዝሃበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣቦ መንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ዘይምርድዳኣት ብዘተን ድርድርን መፍትሒ ምሃብ መግለፂ ዝማዕበለ ስርዓት ፖለቲካ እዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዝተገበረ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም እውን ሰላም ዘፅንዕን ትኽክለኛ ውሳነን ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ሽርሒ ግዳማዊ ሓይልታት ብምፍሻል ህዝቢ ናይ ልምዓት ስርሑ ዘቀላጥፈሉ ምችው ኩነታት ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም።
ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብዝብል ቅዋም ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ነቲ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኩለ መዳያዊ ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ጉዕዞ ዕቤት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ንምትዕንቓፍ ዘይግበር ሽርሒ ከምዘየለ ኩሉ ክግንዘብ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኩላትና ንሰላም ክንተግህ ኣለና ኢሎም።
ምክትል መራሒ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ኣርክቴክት ዮሐንስ መኮንን ብግደኦም፤ ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዝተገበረ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንፃውዒት ሰላማዊ ቃልሲ ፖለቲካ መልሲ ዝሃበ ዘሕጉስ ስራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ቆራፅነት ኣማራፂ ሰላም ህዝባዊ ትካል ፋኖ እውን ንህዝቢ ኣምሓራ እፎይታ ዝሃበን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንዝርከቡ ሓይልታት ትምህርቲ ዝህብን ከም መርኣያ ዝውሰድ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ከይዲ እቲ ስምምዕ ሰላም ዝተገበረ ዘተን ድርድርን እውን ንኹሉ ወገን ብማዕርነት ኣሸናፊ ዝገበረን ንድሌት ሰላም ዜጋታት ምላሽ ዝሃበን ወሳኒ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።
መንግሥቲ ፌዴራልን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ኣብቲ ክልል ተዓጢቖም ንዝቀሳቐሱ ኣካላት ናብ ሰላም ንክመፁን ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍትሑን ተደጋጋሚ ፃውዒት እናገበሩ ምፅንሖም ዝፍለጥ እዩ።