ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንክምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንክምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 26/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ናይጄል ክላርክን እቲ ሃገር በቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ብሓባር መግለፂ ሂቦም።
ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ናይጄል ክላርክ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እንትኸውን፤ በዚ ድማ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ምዕዛቦም ተገሊፁ።
ካብ ዑደት ብተወሳኺ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተወከልቲ ውልቀ ዓውድን ምዝታዮም እውን ተሓቢሩ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝተገበረ ዝተማልአ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብታ ሃገር ኩለ መዳያዊ ዕቤት ንክምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ።
ትግበራ እቲ ሪፎርም ጠንካራን ዘላቕን ልምዓት ንክምዝገብ ከምኡ እውን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ንክሳለጡ ከምዘኽኣለ እውን ሓቢሮም።
እቲ ሪፎርም፤ ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብሙሉእ ዓቕሚ ብምጥቃም ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታትን ልዑል ለውጢ ከምዘመዝገበ ተዛሪቦም።
ድሕሪ እቲ ሪፎርም ዝምዝገብ ዘሎ ውፅኢት ንኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ካብቶም ወነንቲ ዝዓበየ ኢኮኖሚ እታ ሓንቲ ንክትኸውን ከምዝገበራ እውን ኣረዲኦም።
ኣታዊ መንግሥቲ ንክዓብን ኣብ ዕዳጋ ዝተመስረተ ሸርፊ ወጻኢ ንክህሉን ከምዘኽኣለ እውን ወሲኾም ገሊፆም።
ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ኣጀንዳ ለውጢ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ንዝገበሮ ኣድላይ ደገፍ ኣመስጊኖም።
ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ናይጄል ክላርክ ብግደኦም፤ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዕዉት ንክኸውን ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም።
ጠንካራ ዕቤት ኢኮኖሚ፣ዝተመሓየሸ ምርግጋዕ ኢኮኖምን እቲ ኢኮኖሚ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ንምግባርን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዝተባብዑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ዕቤት ኢኮኖሚ ብምንኣድ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ተጠናኺሮም ምቕፃል ኣድላይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።