ውድባት ፖለቲካ ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ-ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 26/2018 (ኢዜኣ) ውድባት ፖለቲካ ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ዘለውዎ ኣጀንዳታት ሃገራዊ ምኽክር ነቲ ኮሚሽን ኣረኪቡ።
እቶም ኣጀንዳታት፤ መራሒ እቲ ፓርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋን ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ፓርትን ንኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣረኪቦም።



ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ኮሚሽን ካብ ውድባት ፖለቲካ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ከምዝተረከበ ተዛሪቦም።
ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ እቲ ከይዲ እናደገፈ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እቲ ፓርቲ ኣጀንዳታቱ ብምርካቡ ብስም እቲ ኮሚሽን ዘመስገኑ እቶም ዋና ኮሚሽነር፤ እቶም ኣጀንዳታት ኣብቲ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ረብሓ ከምዝውዕሉ ኣፍሊጦም።
ከይዲ እቲ ምኽክር ብዝምልከት መብራህርሂ ዝሃቡ እቶም ዋና ኮሚሽነር፤ እቲ ከይዲ ንክዕወት ኣብ ቀፃሊ እውን ምትሕብባር ከምዘድሊ ኣረዲኦም።
መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብግደኦም፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር መሰረታዊ ፀገማት ሃገርና ንምፍታሕ ቁልፊ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ኢዜማ እቲ ኮሚሽን ንዘሳልጦም ስራሕቲ ንምሕጋዝ ቆራፅ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢዜማ ኣብ ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ 11 ክልላትን ኣብ ዝተገበሩ ምዕራፋት ምኽክር ብሰፊሑ ከምዝተሳተፉ ኣብቲ እዋን ከምዝተገለፀ እቲ ኮሚሽን ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም