መንገዲ ሰላም ኩሉ ግዜ ኣሸናፊ እዩ ዝገብር-ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 26/2018 (ኢዜኣ) መንገዲ ሰላም ኩሉ ግዜ ኣሸናፊ እዩ ዝገብር ክብል ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ።
ሚኒስቴር ሰላም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፤ መንግሥቲ ዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍታሕ ዘተን ዝርርብን ብሕታዊ ኣማራፂ መንገዲ ምዃኖምን ነዚ ድማ ቆራፅ ከምዝኾነን ብተደጋጋሚ ከምዘርኣየ ገሊፁ።
ቀዲሞም ኣማራፂ ሓይሊ ተጠቒሞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይልታት ሕዚ ኣማራፂ ሰላም ብምምራፅ ናብ ሰላማዊ መንገዲ እንትመፁ መንግሥቲ ልዕሊ ፍርቂ ጉዕዞ ብምኻድ ብምቕባል ቀራፅነቱ ኣርእዩ እዩ ኢሉ።
እዚ መንገዲ ኣብ ሃገርና ሰላም፣ፍትሓውን ሓባራዊ ተረባሕነትን ዘረጋግፅ ስርዓት ንምህናፅ ዘኽእል ብሕታዊ ኣማራፂ ምዃኑ እምነት መንግሥቲ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።
በዚ ሓፈሻዊ መበገሲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀዲሞም ኣማራፂ ሓይሊ ተጠቒሞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይልታት ኣማራፂ ሓይሊ ንህዝብና ሰላምን ንብሄራዊ ረብሓን ድሕንነትን ሃገርናን ፋይዳ ከምዘይብሉ ብምእማን ናብ ሰላማዊ መንገዲ ብምምፃእ ድፍረት ዝተመልኦ ውሳነ ገይሮም ክብል ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።



እዚ ኣማራፂ ሰላም ንኹላትና ኣሸነፍቲ ስለዝገብር እቲ ሚኒስቴር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ንዝወሰድዎ ቆራፅ ስጉምቲ ዘለዎ ናእዳ ገሊፁ።
ብኻሊእ መዳይ ሕዚ እውን እንተኾነ ዝኾነ ሕቶ ዘለዎ ኣካል ሕትኡ መልሲ ንምርካብ ብሕታዊ መፍትሒ ንኹሉ ኣሸናፊ ዝገብር ምዝርራብን ምዝታይን መሰረት ዝገበረ መንገዲ ሰላም ምዃኑ ብምእማን ድሑር ዝኾነ ኣማራፂ ሓይሊ ብምጥቃም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ተመሳሳሊ መንገዲ ሰላም ንክመርፁ እቲ ሚኒስቴር ፃውዒት ኣቕሪቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም