እቲ ስምምዕ ሰላም ብልዕልና ሓሳብ ዘቲኻ ፀገማት ብዝሰልጠነ መንገዲ ምፍታሕ ከምዝከኣል መርኣያ እዩ-ዓበይትቲ ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን


ጎንደር/ሕዳር/ 26/2018(ኢዜኣ) እቲ ስምምዕ ሰላም ብልዕልና ሓሳብ ዘቲኻ ፀገማት ብዝሰልጠነን ዘላቕነት ብዘለዎን መንገዲ ምፍታሕ ከምዝከኣል መርኣያ እዩ ክብሉ ዓበይትቲ ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን ከተማ ጎንደር ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ትማሊ ምፍራሙ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ስምምዕ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ንህዝባዊ ትካል ፋኖ ብምውካል ካፒቴን ማስረሻ ሰጤን እዮም ፈሪመምዎ።
እቲ ስምምዕ ስዒቡ ኢዜኣ ኣብ ከተማ ጎንደር ዘዘራረቦም ዓበይቲ ዓድን ኣቦታት ሃይማኖትን፤ በቲ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ሰባት፣ትካላት ትምህርትን ካልኦት ትካላትን ብዙሕ ኪሳራን ዕንወትን ከምዝበፅሐ ብምሕባር ካብዚ ጥፍኣት ጉድኣት እምበር ትርፊ ከምዘይብሉ ኩሉ ርእይዎ እዩ ኢሎም።
ድሕሪ ሕዚ ግና ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸድሉ፣ ሓረስቶት ይኹኑ ሰራሕተኛታት ብሰላም ወፂኦም ዝኣትውሉ ስለዝኾነ እቲ ስምምዕ ሰላም ንኹሉ ኣትራፍን ኣሸናፍን ዝገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዋጋ ከምዝኸፈለን ንፀገም ከምዝተቓልዐን ብምዝኽኻር፤ ኣብ መንጎ መንግስቲ እቲ ክልልን ህዝባዊ ትካል ፋኖን ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ብምፍራሙ ናይ ኩላትና ሓጎስን ብስራትን ዝተሰምዐሉ ታሪኻዊ መዓልቲ እዩ ኢሎም።
መዛዘሚ ኩሎም ፀገማት ብዘተን ምርድዳእን ሰላም ምፍጣር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንሰላም ቆራፅ ቅዋም ሒዞም ንዝሰርሑ ኣካላት ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም