ታሪኽ ድኽነት ኢትዮጵያ እነብቅዕ ወለዶ ክንኸውን ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 26/2018(ኢዜኣ) በቢዓውዱ ዘሎ ዝላ ብትግሃት ብምስራሕ ታሪኽ ድኽነት ኢትዮጵያ እነብቅዕ ወለዶ ክንኸውን ይግበኣና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) “ብምልከታ መንግሥቲ መደመር፣ዝላ ዓውድታት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ስልጠና ኣብ ዝሃብሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ ወለዶ መደመር ናብ ብልፅግና ዘብፅሕ መንገዲ እዩ።



መንግሥቲ መደመር ንብልፅግና ሃገር በዓል ሓደራ ኮይኑ፣ብዙሕ ተሸኪሙ፣ብዙሕ ደኺሙን ብዙሕ ተጊሁን ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ መንግሥቲ እዩ ኢሎም።
ኣሳጋሪ ምዃን ልዑል ሓላፍነት እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣመራርሓታት ፈተና ከይዓገቶም ናይ ምስጋር ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ሓሳብ ከም ዘርእን መበገስን ብምግባር ኣብ ልኣላዊነት ሓሳብ ምስራሕ መሰረት ብልፅግና ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ትካላት ነንሕድ ሕዶም ብምንባብ ምትእስሳር ምፍጣር ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሓሳብ፣ውልቀ ሰባትን ትካላትን ምትእስሳር እንተተኻኢሉን ብትግሃት እንተተሰሪሑን ኢትዮጵያ ኣብ 2036 ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ኢኮኖሚ ከምትውንን ኣረዲኦም።



ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ እንተሰፊሖምን እንተዓብዮምን ከምኡ እውን ኹሉ እንተተጊሁ ታሪኽ ድኽነት ኢትዮጵያ እነብቅዕ ወለዶ ምዃን ንኽእል ኢና ኢሎም።
ብመንፈስ ምትሕብባርን ሓድነትን ኢትዮጵያ ንምስጋር ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም