ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018(ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ።
እቲ ስምምዕ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ተወካሊ ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ካፒቴን ማስረሻ ሰጤን ፈሪመምዎ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ስምምዕ፤ እቲ ኣፈላላይ ብስምምዕ ንክውዳእ እናደራደሩ ዝፀንሑ ኣባላት ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካን በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ን ተረኺቦም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ብጎንፂ ኣሸናፍን ተሸናፍን ኣይህሉን፤ ኣብ ሰላም ግና ኩሉ ኣሸናፊ እዩ ዝኸውን።
ኣፈላላያት ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን መንገዲ ንምፍታሕ ረፊዱ ኣይፈልጥን ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እዚ ስምምዕ ምፍራሙ ነቲ ህዝቢ ዓብይ እፎይታ እዩ ኢሎም።
እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ብምግባር ንህንፀት ዘላቒ ሰላም ኣስተዋፅኦ ክነበርክት ትፅቢት ይግበረልና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ስምምዕ ሕዚ እውን ኣፈላላይ ብሓይሊ ምፍታሕ ይከኣል እዩ ዝብል ቅዋም ንዝሓዙ ኣካላት ዓብይ ትምህርቲ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ናብ ሰላማዊ ኣማራፂ መፂኦም ኣፈላላያት ብሰላም ንምፍታሕ ድሌት ንዘለዎም ኣካላት መንግስቲ እቲ ክልል በሩ ክፍቲ እዩ፤ ምፁ ብሓባር ዘቲና ንዘላቒ ሰላም ንትጋህ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ንህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ብምውካል ካፒቴን ማስረሻ ሰጤ ብግደኦም፤ ካብ ጎንፂ ዘትርፍ የለን፤ ናብ ሰላም ምምፃእ ግና ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣማራፂ እዩ ኢሎም።
ህዝብና ልዕሊ እዚ ፀገማት ክሽከም ኣይኽእልን ዝበሉ ካፒቴን ማስረሻ፤ ኣፈላላያት ብስምምዕ ምፍታሕ ኣሸናፊነት እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ብምስላፍ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ኣብ ዝህቡ ተግባራት ምስታፍ ከምዘይግባእ ብምሕባር፤ ፀገማትን ኣፈላላያት ሓሳብን ብዝርርብ ምፍታሕ ፖለቲካዊ ስዕረት ዘይኮነስ ጥበብን ብልሕን እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ስምምዕ ኣብ ሓፂር እዋንን ነዊሕ እዋንን ኣብ ዝፍትሑ ጉዳያት ሓባራዊ ምርድዳእ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።
ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ዜጋታት ጉድኣት በፂሕዎም እዩ ዝበሉ ካፒቴን ማስረሻ፤ እቲ ስምምዕ ዓብይ ውፅኢት ሒዙ ከምዝመፅእ ኣረዲኦም።
ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሰልማ ሀዳዴ ብግደአን፤ ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዝተገበረ ስምምዕ ቅዋም ‘ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ’ ብተግባር ዝተረጋገፀሉ እዩ ኢለን።
ድምፂ ጥይት ዘይስመዓሉ ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ዝተቐመጡ ኣህጉራዊ ሽቶታት ንክዕወቱ እውን ተዛመድቲ ስምምዓት ዝለዓለ ፋይዳ ከምዘለዎም ኣረዲአን።
ምክትል ዋና ፀሓፊ ኢጋድ መሀመድ ኣብዲዋሪ ከምዝበልዎ፤ እቲ ስምምዕ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዞባ ኢሉ እውን ሰላም ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ኣወንታዊ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣፈላላያት ብዝርርብ ምፍታሕ ዓብይ ቆራፅነት ከምዝሓትት ብምግላፅ፤ ክልቲኦም ኣካላት ነቲ ስምምዕ ቆራፃት ምዃኖም ንኢዶም።