ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ እዋን ስርሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳደራ ኬንያን ኒውዚላንድን ኣፋኒዎም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ እዋን ስርሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳደራ ኬንያን ኒውዚላንድን ኣፋኒዎም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ እዋን ስርሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳር ኬንያ ጆርጅ ኦሪናን ኣምባሳደር ኒውዚላንድ ማይክል ኣፕተንን ሎሚ መዓልቲ ኣፋኒዎም።
እቶም ፕሬዚዳንት፤ ክልቲኦም ኣምባሳደራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ክልቲኣዊ ርክብን ምትሕብባርን ንክጠናኸር ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቶም ዝተፋነዉ ኣምባሳደራት ኣብ ሓደሽቲ ዓውድታት ኢንቨስትመንትን ካልኦት ዓውድታት ምትሕብባርን እተን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ንዝህልወን ኩለ መዳያዊ ርክብ ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደራት ብግደኦም፤ ኣብ ፃንሒቶም ኬንያን ኒውዚላንድን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዘሳለጡ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድትታ ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ርክብ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ንኢዜኣ ገሊፆም።