ድሌት ትራንስፖርት ብዙሓት ኣብ ምምላእ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከታ እየን

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018(ኢዜኣ) ድሌት ትራንስፖርት ብዙሓት ኣብ ምምላእ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከታ ከምዝኾና ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በረኦ ሓሰን ገሊፆም።
መንግሥቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንምስፍሕፋሕ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐሉ እዩ ዝርከብ።
እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣማራፂ ቀረብ ተሽከርከርቲ ብምስፋሕ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ትራንስፖርት ንምርግጋፅ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።



ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ዝለዓለ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዘለወን ብምሕባር፤ መንግሥቲ ብሰፊሑ ናብ ውሽጢ ሃገር ንክኣትዋን ኣገልግሎት ንክህባን ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ድሌት ትራንስፖርት ብዙሓት ኣብ ምምላእ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከታ ከምዝርከባ እውን ኣረዲኦም።
እዚ ድማ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብምስላጥ በቢእዋኑ እናዓበየ ንዘሎ ድሌት ትራንስፖርት ብዙሓት ምላሽ ዝሃበ እዩ ኢሎም።



ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተግባራዊ ዝተገበራ 110 መመላለስቲ ትራንስፖርት ብዙሓት ''ቬሎሲቲታት''ሕፅረት ኣብ ዘለዎም 11 መስመራት ንክዋፈራ ዝተገበረ እንትኸውን፤ በዚ ድማ ልዑል ውፅኢት ተረኺቡ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን 22 ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ሚኒባሳት ምስተን ቬሎሲቲታት ተጠዓዒመን ኣገልግሎት ንክህባ ከምዝተገበረ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ እዚ ድማ ድሌት ትራንስፖርት ተበፃሒ ንምግባር ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም