ማሕበራት ሞያ ኢትዮጵያ ንውፅኢታውነት ዝተረፉ ስራሕቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር እጃሞም ከጠናኽሩ ይግባእ-ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበራት ሞያ ኢትዮጵያ ንውፅኢታውነት ዝተረፉ ስራሕቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር እጃሞም ከጠናኽሩ ይግባእ-ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018 (ኢዜኣ) ማሕበራት ሞያ ኢትዮጵያ ንውፅኢታውነት ዝተረፉ ስራሕቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር እጃሞም ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ”ልዑል ተሳትፎ ማሕበራት ሞያ ኢትዮጵያ ንውፅኢታውነት ሃገራዊ ምኽክር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ምኽክር የካይድ ኣሎ።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን እቲ ምኽክር ኣሳታፍን ሓቛፍን ንምግባር ተሳተፍቲ ኣብ ምፍላይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ።
ትካላት ሃይማኖትን ሲቪል ማሕበረሰብን፣ማሕበራት፣ተፈለጥቲ ሰባት፣ውድባት ፖለቲካ፣መንግስትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ብተወከልቶም ኣቢሎም ከምዘሳተፈ እውን ሓቢሮም።
በዚ ድማ መብዛሕቲኦም ስራሕቲ ዘሳለጠ እንትኸውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።
እቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ንምግባር እናተዳለወ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ተሳትፎ ኩሎም ኣካላት ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፀማት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘሎ ኣማራፂ ሃገራዊ ምኽክር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኩሉ ኣካል ኣጀንዳታቱ ናብቲ ሃገራዊ ምኽክር ሒዙ ብምምፃእ ክሳተፍ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ብምትሕብባር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ማሕበራት ሞያ ኢትዮጵያ እውን ንውፅኢታውነት ዝተረፉ ስራሕቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር እጃሞም ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።