እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ።
መበል 3ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እናተኻየደ እንትኸውን፤ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተፈላለዩ ረቂቕ ኣዋጃትን ስምምዓት ልቓሕን ኣፅዲቑ።
ካብቶም ዝፀደቑ ረቂቕ ኣዋጃት፤ ቁፅሪ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ 1162/2011 ንምምሕያሽ ዝቐረበ ኣዋጅ ብሙሉእ ድምፂ ምፅዳቑ እቲ ሓደ እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ንመፈፀሚ ፕሮግራም ዘላቕን ንፁህን ተበፃሕነት ኢነርጂ ንምቅልጣፍ ንዝተገበረ ስምምዕ ልቓሕ ንምፅዳቕ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምዝታይ ኣፅዲቑ።
ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ትራንስፎርሜሽን ክእለትን ዞባዊ ውህደትን ምብራቕ ኣፍሪካ ዝውዕል ተወሳኺ ስምምዕ ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።
ኣብ መንጎ መንግስትታት ኢትዮጵያን ቻይናን ዝተገበረ ስምምዕ ሓባራዊ ምትሕብባር ሕጊ ጉዳያት ገበን ከምኡ እውን ስምምዕ ምትሕልላፍ ፍሩዳት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን መሪሑ።
ብተመሳሳሊ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ብራዚልን ዝተገበረ ስምምዕ ምትሕልላፍ ፍሩዳት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ መንግስትታት ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ዝተገበረ ኣብ ጉዳይ ገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን መሪሑ።