ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ክላቨር ጋቴቴ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ክላቨር ጋቴቴ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ክላቨር ጋቴቴ ምዝታዮም ኣፍሊጦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ክላቨር ጋቴቴ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ንኣፍሪካ ብኣግባቡ ዝውክል ኮፕ 32 ኣብ ምድላው ብሓባር ኣብ ንሰርሐሎም መንገድታት ዘቲና ኢሎም።
ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ከምኡ እውን እቶም ዋና ፀሓፊ ምስ ጉጅለኦም ብምዃን ኮፕ 32 ዕዉት ንክኸውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክቱ ይተኣማመን እየ ክብሉ እውን ገሊፆም።