ሹመት ሚኒስትር ግብርና፣ሚኒስትር ሰላምን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቢሲን ብቤት ምኽሪ ፀዲቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ሹመት ሚኒስትር ግብርና፣ሚኒስትር ሰላምን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቢሲን ብቤት ምኽሪ ፀዲቑ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018(ኢዜኣ) ሹመት ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ፣ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቢሲ ቢኒያም ኤሮን ብቤት ምኽሪ ፀዲቑ።
መበል 3ይ ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ቤት ምኽሪ፤ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተሾሙ ሹመታት ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋን ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስን ኣፅዲቑ።
ብተወሳኺ እውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያ (ኢቢሲ) ኮይኖም ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተሾሙ ቢኒያም ኤሮ በቲ ቤት ምኽሪ ፀዲቑ።
ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ፣ሚኒስትር ሰላም መሀመድ እድሪስን ዋና ፃሚ ስራሕ ኢቢሲ ቢኒያም ኤሮን ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣኼብኡ፤ ቁፅሪ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ 1162/2011 ንምምሕያሽ ዝቐረበ ኣዋጅ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።