ኣብ ሚድያታት ኣፍሪካ ተሳትፎን ድሕንነትን ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅ ዘኽእል ፃዕሪ እናተገበረ እዩ-ሕብረት ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሚድያታት ኣፍሪካ ተሳትፎን ድሕንነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ሚድያ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ዝተዳለወ ኮንፈረንስ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
እቲ ኮንፈረንስ፤ “ቃል ናብ ተግባር፤ ድሕንነት ሚዲያን ማዕርነት ስርዓተ ፆታን ዘረጋግፁ ፖሊሲታት ምሕንፃፅን ምትግባርን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።



ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ካብ መላእ ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ጋዜጠኛታት፣መውፃእቲ ፖሊሲን ተቖፃፀርቲ ሚድያን፣ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂን ሙሁራንን ይሳተፉ ኣለዉ።
ድሕንነቱ ዝተሓለወን ሓቛፍን ምህዳር ሚድያ ምፍጣር ዘኽእሉ ፖሊሲታትን ማዕቐፋት ሕግን ምጥንኻር ኣጀንዳታት እቲ ኣኼባ እዮም።
እቶም ማዕቐፋት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሰርሓሎም ትካላት ሚድያ ፍትሓዊ ውክልና ንከረጋግፁ ምግባር ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ምኽክር ከምዝግበር እውን ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
እቲ ኮንፈረስን ክሳብ ፅባሕ ከምዝፀንሕ እውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም