ፅሬት ዘለዎ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ተገማትን ግልፅን ከባቢ ኢንቨስትመንት ብምፍጣር ፅሬት ዘለዎ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ብርክት ዝበሉ ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ኮሚሽነር ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ኮሚሽነር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዘምፀኦም ውፅኢታትን እቲ ኮሚሽን ተገማትን ግልፅን ከባቢ ኢንቨስትመንት ብምፍጣር ፅሬት ዘለዎ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ብዘሳለጦም ስራሕትን ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ልዕሊ 961 ሚልዮን ዶላር ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።
ካብ ንግዲ ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ዝርከቡ ኢንቨስትመንትታት ልዕሊ 49 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ እውን ኣፍሊጦም።
እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ርብዒ ዓመት 123 ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝሃበ ብምግላፅ፤ ፍቓድ ካብ ዝተውሃቦም ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ እቶም 34 ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኸፈተ ንግዲ ኣታውን ወፃእን ዝተዋፈሩ እዮም ኢሎም።
ኣብ ዓውድታት ግብርና፣ማኑፋክቸሪንግ፣ምውፃእ መዓድን፣ቱሪዝምን ኣይሲቲን ንሰብ ሃፍቲ መተባብዕታት ኢንቨስትመንት እናተውሃቡ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን እቶም ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብምቕፃልን ከም ፀገም ንዝተፈለዩ ጉዳያት መፍትሒ ብምሃብን እቲ ኮሚሽን ንዕቤትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም