እቲ ምምሕዳር ከተማ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ህንፀት ብምጥቃም እናሰርሐ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 25/2018(ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ህንፀት ብምጥቃም እናሰርሐ ከምዝርከብ ከንቲባ እቲ ምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ በቲ ምምሕዳር ከተማን ብሌጋሲ ሆም ምሕዝነት መንግስትን ውልቀን ኣብ ላፍቶ ሳይት ዝህነፅ ፈላማይ ምዕራፍ ህንፀት 26 ሽሕ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣጀሚረን።



እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ምምሕዳር ከተማ ተረባሕነት ነበርቲ እታ ከተማ ንምርግጋፅ ተጊሁ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ቁልፊ ጉዳይ ነበርቲ ዝኾነ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ልምዓት ኣባይቲ ሓንፂፁ ተግባራዊ እናገበረ እዩ እውን ኢለን።
ሎሚ ብዕሊ ናብ ስራሕ ዝኣተወ ህንፀት ኣባይቲ ብብርኪ ሃገር ይኹን ከተማ ብዓይነቱ ሓዱሽን ፈላማይን ዝኾነ ቴክኖሎጂ ከምዝጥቀም ተዛሪበን።



እቲ ህንፀት ጋልቫናይዝድ ውፅኢት ሓፂን ብምጥቃም ክሳብ 12 ደብርታት ዝበፅሑ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ምግጥጣም ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።
እዚ ፋብሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ እንትኣቱ 26 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ብዓመት ምስራሕ ከምዝኽእል ኣረዲአን።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም