ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ተቐቢልና ካብ መንገዲ ጥፍኣት ተመሊስና መፂእና-ነበር ዕጡቓት - ኢዜአ ትግርኛ
ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ተቐቢልና ካብ መንገዲ ጥፍኣት ተመሊስና መፂእና-ነበር ዕጡቓት
ጎንደር/ሕዳር 25/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ሰላምን ድሌት ልምዓትን እቲ ህዝቢ ብምርዳእ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ተቐቢልና ካብ መንገዲ ጥፍኣት ተመሊስና መፂእና ክብሉ ፃውዒት ሰላም ክልል ኣምሓራ ዝተቐበሉ ነበር ዕጡቓት ተዛሪቦም።
እቶም ነበር ዕጡቓት እቲ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ናብ ሰላማዊ ሂወት ተመሊሶም።
ካብቶም ነበር ዕጡቓት ኣበጀ ገላው፤ ብዝተሰሓሓተ መንገዲ ናብ በረኻ ብምኻድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥፍኣት ከምዝፈፀመ ብምግላፅ ካብ ስርሑ ብምንሳሕ ሰሪሑን ኣገልጊሉን ንምክሓስ ከምዝተዳለወ ገሊፁ።
መብዛሕቴና ናብ በረኻ ዝኸድና ዝተሰሓሓተ ርድኢት ሒዝና ኢና ዝበለ ኣበጀ ገላው፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሓቂ ብምርዳእ ናብ ሰላማዊ ሂወት እናተመለስና ኢና ንርከብ ኢሉ።
ብመሰረት እዚ እውን ዓርሱን ኣዕርኽቱን ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ብምቕባል ሰላማዊ ሂወት ንምምራሕ ምውሳኖምን ምምፅኦምን ሓቢሩ።
ሕቶ ሰላምን ድሌት ልምዓትን እቲ ህዝቢ ብምርዳእ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ተቐቢልና ካብ መንገዲ ጥፍኣት ተመሊስና መፂእና ክብል እውን ገሊፁ።
ካሊእ መንገዲ ሰላም መሪፁ ዝመፀ ኣማረ ምትኩ፤ ኣብ ዝፀንሐሉ ዝተሰሓሓተ መንገዲ ንህዝቢ ሰላም ካብ ምኽላእ ብተወሳኺ ብዙሕ በደል ስለዘብፃሕና ኣነን ኣዕርኽተይን ኣብ ነስሓ ክንወድቕ ገይሩና እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ስለዝኾነ እውን ካብ ጥፍኣት ብምውፃእ ንሰላምን ልምዓትን ድሉው ብምዃን ህዝብና ብስራሕ ንምኽሓስ መፂእና ብምባል ካልኦት ኣብቲ ዝተሰሓሓተ መንገዲ ዝርከቡ እውን ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ንክቕበሉ መኺሩ።
ሓላፊ ምክትል መምርሒ ምክልኻል ገበን መምርሒ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኮማንደር ስማቸው ኣደመ፤ ኣብቲ ከተማ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ዘላቒ ሰላም ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ብዝተሰሓሓተ መንገዲ ፈፀምቲ ልኡኽቶ ፀላኢ ዝነበሩን ህዝቢ ዝበደሉን ነበር ዕጡቓት እናተመለሱን ሰላማዊ ሂወት እናመርሑን ከምዝርከቡ ገሊፆም።
ቅድሚ መዓልትታት ኣብ ከተማ ጎንደር ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ዝተቐበሉ 15 ነበር ዕጡቓት ኣማራፂ ሰላም ብምቕባል ናብ ሰላማዊ ሂወት ንምምላስ ብምውሳን ከምዝተመለሱ ዝዝከር እዩ።