ንድርድር ብምድፋእ ኣተሓሳስባ ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምስጓም ዝግበር ምንቅስቓስ ግብፂ ምስ እዋናዊ ሓቂ ዘይኸይድ እዩ-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ - ኢዜአ ትግርኛ
ንድርድር ብምድፋእ ኣተሓሳስባ ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምስጓም ዝግበር ምንቅስቓስ ግብፂ ምስ እዋናዊ ሓቂ ዘይኸይድ እዩ-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዙርያ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝግበሩ ድርድራት ብምድፋእ ኣተሓሳስባ ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምስጓም ዝግበር ተደጋጋሚ ምንቅስቓስ ሰብ መዚ ግብፂ ምስ ሓቂ 21 ክፍለ ዘበን ዘይኸይድ እዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ መንግስቲ ግብፂ ኣብ ሩባ ኣባይ ልዕልና ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምሕላው ዝገብሮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ነዚ እዋን ዘይምጥን እዩ ክብል ኮኒኑ።
ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ተፋሰስ ብምትሕብባር ንምልማዕ ኩሉ ግዜ ቆራፅ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፤ ኣሰርን ታሪኽን ነዊሕ ዘበን ፓን ኣፍሪካ ዘለዋ ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፍፁም ኣይትቕበልን ኢሉ።
ፍትሓዊ፣ምኽንያታውን ማዕርነት መሰረት ዝገበረን ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ገዛኢ ፅንሰ ሓሳብ ሕጊ ዓለም ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ እውን ሃፍታ ንምጥቃም ካብ ዝኾነ ኣካል ፍቓድ ምሕታት ኣየድልያን ክብል ሓቢሩ።
እቲ መግለፂ፤ ግብፂ እቲ ክልቲኣዊ ድርድር ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እትነዝሖ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ባህሪ ምፅሕታር ጎንፂ ግብፂ ንክኩንኖ እውን እቲ ሚኒስቴር ሓቲቱ።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ መርኣያ ዓርስኻ ምኽኣል ከምዝኾኑ እውን ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ንምትሕብባርን ኩሉ ተረባሒ ንዝገብሩ መፍትሒ ሓሳባትን ብቆራፅነት ከምትሰርሕ ኣብቲ መግለፂ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ሕዚ ንዘሎን ንቀፃልን ወለዶ ብምጥቃም ንመሰላ ፀኒዓ ከምትቕፅል እውን እቲ ሚኒስቴር ኣገንዚቡ።