ኢትዮጵያ ስታትስቲክስ ኣብ ከይዲ ትልምን ትግበራን ልምዓት ስትራቴጂክ እጃም ንክህልዎ ገይራ እያ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብሔራዊ ልምዓት ስታትስቲክስ ኣብ ከይዲ ትልምን ትግበራን ልምዓት ስትራቴጂክ እጃም ንክህልዎ ከምዝገበረት ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ በከር ሻሌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ትካላት ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።



ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ በከር ሻሌ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንዓውዲ ስታትስቲክስ ልዑል ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ ትርከብ።
ኣብ ምትግባር ዘሎ ፕሮግራም ብሄራዊ ልምዓት ስታትስቲክስ 3 ዓመት እውን ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ዓቕሚ ስታትስቲክስ ኣብ ምጥንኻር፣ኣብ እዋናዊነትን ምምሕያሽ ፅሬት ዳታን ከምኡ እውን ኣብ ቆፀራ ግብርናን ቆፀራ ትካላት ኢኮኖምን ስትራቴጂክ መፅናዕትታት እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ስታትስቲክስ ንምጥንኻር ዘለዋ ዘይናወፅ ቆራፅነት ከምኡ እውን ስታትስቲክስ ኣብ ከይዲ ትልምን ትግበራን ልምዓት ብሄራዊ እጃም ንክህልዎ ምግባራ ዘርኢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ትካላት ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ንያካሲ ሳንያንግ ብግደኦም፤ ድሌት ዳታ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ብምምፅኡ እጃም ሰብ ሞያ ስታትስቲክስ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ወሳኒ እዩ ኢሎም።



ኣብታ ኣህጉር ስምምዓትን ዝተጣየሹ ጉጅለታት ቴክኒክን ብዝተማልአ ኩነታት ናብ ተግባር ምእታው ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም