ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ግብርና ብዘላቕነት ንምቕያርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ዲጂታል ግብርና ትራንስፎርሜሽን ክስራሕ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ዓውዲ ግብርና ብዘላቕነት ንምቕያርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ዲጂታል ግብርና ትራንስፎርሜሽን ከምዝስራሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።
ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ጉባኤ ዲጂታል ግብርና ተዛዚሙ።
እቲ ጉባኤ፤ “ኢኖቬሽንን ዲጂታል መፍትሕታትን ንዓውዲ ግብርና ብምጥቃም መፃኢ ግዜ ኣፍሪካ ብሩህ ምግባር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ንተኸታተልቲ 3 መዓልትታት ክካየድ ፀኒሑ።
ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ከባብን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ኣብዚ እዋን፤ ዓውዲ ግብርና ኣፍሪካ ናብቲ ዝድለ ዕቤት፣ውሕስና ምግብን ዓቕሚ ምፅዋርን ንምዕባይ ዲጂታል ግብርና ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተረጋገፀ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ዓውዲ ግብርና ብዘላቕነት ንምልዋጥን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ዲጂታል ግብርና ትራንስፎርሜሽን ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም።



ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ንዕዉትነት ዲጂታል ግብርና ዲጂታል ልኣላዊነት ምጥንኻር ግቡእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሓበሬታ ግብርና ከም ስትራቴጂካዊ ሃፍቲ ምሕላው፣ኣብ መንጎ ስርዓታት ኣፍሪካ ዓቕሚ ምርድዳእ ወይ ድማ ኮሙኒኬሽን ምርግጋፅን መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብምብቃዕ ግብርና ኣፍሪካ ምዕባይን ከምዝከኣል እውን ኣረዲኦም።



እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ዝተባባዕ ስራሕ እናሳለጠት እያ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም