እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ተሳትፎ ጉዱኣት ኣካል ንከጠናኽር እናሰርሐ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ተሳትፎ ጉዱኣት ኣካል ንከጠናኽር እናሰርሐ እዩ
መቐለ/ሕዳር 24/ 2018 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ተሳትፎ ጉዱኣት ኣካል ንከጠናኽር እናሰርሐ ከምዝኾነ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል “ንጉዱኣት ኣካል ዝሓቁፍ ማሕበረሰብ ምህናፅ ንዝሓሸ ማሕበራዊ ዕቤት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳባ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ተኸቢሩ።
ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ተሳትፎን እጃምን ጉዱኣት ኣካል ንከጠናኽር እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተሳለጠ ከይዲ ምኽክር እውን ብፍላይ ድማ ጉዱኣት ኣካል፣ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ብንቕሓት ንክሳተፉ ከምዝተገበረን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ሓቢሮም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁሩያ ዓሊ ብግደአን፤ ኩለ መዳያዊ ተሳትፎን ተረባሕነትን ጉዱኣት ኣካል ንክረጋገፅ መንግሥቲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢለን።
መንግሥቲ መመሓየሺ ፖለሲ እውን ብምግባር ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነትን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ጉዱኣት ኣካል ንምዕባይ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ተዛሪበን።
ስለዝኾነ እውን ኩለ መዳያዊ ተሳትፎን ተረባሕነትን ጉዱኣት ኣካል ንክረጋገፅ መንግሥቲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ድማ ኣረጋጊፀን።
ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፤ ኩለ መዳያዊ ተሳትፎን ተረባሕነትን ጉዱኣት ኣካል ንክረጋገፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል እንትኽበር ንኩለ መዳያዊ ተሳትፎን ተረባሕነቶምን ብዝበለፀ ንምስራሕ ብምድላው ክኸውን ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ምክትል ኣካቢት ቦርድ ፌዴሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሂዳያ ዓሊ ከምዝበልኦ፤ ንተሳትፎን ተረባሕነትን ጉዱኣት ኣካል ብመንግስቲ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዝነኣዱ ጅማሮታት እዮም።
እቲ መዓልቲ እንትኽበር እውን ተሳትፎን ተረባሕነትን ጉዱኣት ኣካል ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ብማሕበረሰብ ክብርን ክንክን ንከይፍለዮም ብምርዳእ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ንመበል 43 ግዜ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ተኸቢሩ።