ፅሬት ፍርያት እንሰሳት ንምርግጋፅ ንቀረብ ቐለብን ክትትል ጥዕናን እንሰሳት ትኹረት ተዋሂቡ እዩ-ሚኒስቴር ግብርና - ኢዜአ ትግርኛ
ፅሬት ፍርያት እንሰሳት ንምርግጋፅ ንቀረብ ቐለብን ክትትል ጥዕናን እንሰሳት ትኹረት ተዋሂቡ እዩ-ሚኒስቴር ግብርና
ኣዳማ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ፅሬት ፍርያት እንሰሳት ንምርግጋፅ ንቀረብ ቐለብን ክትትል ጥዕናን እንሰሳት ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ።
ሚኒስትር ዲኤታ ግብርና ፍቅሩ ረጋሳ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ፅሬት ፍርያት እንሰሳት ንምርግጋፅ ቀረብ ቐለብን ክትትል ጥዕናን እንሰሳት ንምዕባይ ስትራቴጂ ተሓንፂፆም ናብ ስራሕ ኣትዮም እዮም።
እቲ ስትራቴጂ ፅሬት ፍርያት እንሰሳት ኢትዮጵያ ብምርግጋፅ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳሪነት ንምዕባይ ዝጠመተ እዩ ኢሎም።
እቲ ፅሬት ፍርያት ንምርግጋፅ ኩነታት ኣመጋግባን ምርባሕን እንሰሳት ከምኡ እውን ኣብ ጥዕንኦም ክትትል ብምግባር ካብ ዝተወለድሉ ክሳብ ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ዘሎ ሓበሬታ ዝሓዘ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ንመፍረያይነትን ጥዕናን እንሰሳት ዝጎድኡ ዶብ ተሳገርቲ ሕማማት ንምክልኻል ሕግታትን መምርሕታትን ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን መድሓኒት ክትባት እንሰሳት ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም።
ክትትል ጥዕና እንሰሳት፣ኤክስቴንሽን ጥዕናን ኣገልግሎት ሕክምናን እንሰሳት ዝህቡ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ በቢ ወረድኡ ተመዲቦም ብትኹረት እናሰርሑ ከምዝርከቡ እውን ገሊፆም።
ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ላብራቶሪ ጥዕና እንሰሳት ተሃኒፁ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብብርኪ ክልላት ላብራቶሪታት ጥዕና፣ናውቲ ሕክምና፣መድሓኒታትን ኬሚካላት ምርመራ ላብራቶሪን እንሰሳት ከምዘለዉ ኣረዲኦም።