ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሓቛፊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ቁልፊ እጃም ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሓቛፊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ቁልፊ እጃም ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018 (ኢዜኣ) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሓቛፊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ዘዳለዎ 'ሲምፖዜም ዲያሞኒድ ክለብ ‘(DIAMONID Club Symposium)’2025 “ሓቛፋይነት ንቐፃሊ ንምፍጣር ዓለም ለኸ ኣመራርሓ ዲጂታል ምጥንኻር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ቴክኖሎጂ ከበድትን ዝተሓላለኹን ፀገማት ዓለም ንምፍታሕ ዕድላት ሒዙ ከምዝመፀ ተዛሪቦም።
ብኻሊእ መዳይ ድማ ቴክኖሎጂ ብኣግባቡ ብዘይምጥቃም ሓደሽቲ ፈተናታት ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ እዚ ፈተና ንምፍታሕ ሃገራት ምትሕብባረን ብዝበለፀ ከጠናኽራ ኣለወን ኢሎም።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝፀደቐ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሓቛፊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅን ተረባሕነት ዜጋታት ንምዕባይን ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም።
ዲጂታል ዕቤት ኢትዮጵያ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብሚልዮን ዝቑፀሩ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ስርዓታት ዲጂታል መለለዪ እናተኻተቱ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሲምፖዜም እውን ንምዝርራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ተግባር ንምስግጋር ዘኽእል ግዜ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።