ዝበልፀገትን ጠንካራን ኣፍሪካ ናይ ምፍጣር ባህግና ንምዕዋት ስታትስቲክስ ወሳኒ እጃም ኣለዎ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ዝበልፀገትን ጠንካራን ኣፍሪካ ናይ ምፍጣር ባህግና ንምዕዋት ስታትስቲክስ ወሳኒ እጃም ኣለዎ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018 (ኢዜኣ) ዝበልፀገትን ጠንካራን ኣፍሪካ ናይ ምፍጣር ባህግና ንምዕዋት ስታትስቲክስ ወሳኒ እጃም ኣለዎ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ብሄራዊ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘጀመሩ ሓቢሮም።
ሓበሬታ ስታትስቲክስ እቲ እንምነዮ ዕቤት ኣህጉርና ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር እንምረሐሉ ካርታ ልምዓትና እዩ ክብሉ እውን ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ንዕዉትነት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖምን ስታትስቲክስ ከም ወሳኒ ዓቕሚ ብምፍላይ ፍሉይ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም።
መንግስቲ ፖለሲታት፣ትግበራታት ልምዓትን ውሳነታትን ኣብ ፅሬት ዘለዎም ሓበሬታታት መሰረት ዝገበሩ ንክኾኑ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
ዝበልፀገትን ጠንካራን ኣፍሪካ ናይ ምፍጣር ባህግና ኣብ ምዕዋት እውን ስታትስቲክስ ወሳኒ እጃም ኣለዎ ኢሎም።