ምኽባር መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ዘላቒ ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ምኽባር መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ዘላቒ ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ
ደብረብርሃን/ሕዳር 24/2018 (ኢዜኣ) ምኽባር መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ዘላቒ ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ተዛሪቦም።
ብብርኪ ክልል ኣምሓራ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ተኸቢሩ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓባር ንምንባር ዝተስማዕምዕሉ እዩ።
እቲ መዓልቲ፤ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባህሎምን ፀጋታቶምን ኣብ ኣደባባይ ወፂኦም ዝገልፅሉ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ጠንካራ ሃገር ንምህናፅ ዘኽእል ስርዓት ፌዴራል ንክህሉ ብምግባርን ሕብረ ብሄራዊነት ብምጥንኻርን ህዝብታት ብሓድነት ተኣሳሲሮም ንክነብሩ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ገሊፆም።
መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንፍትሒ፣ማዕርነትን ህንፀት ዲሞክራስን መሰረት ዝተነበረሉ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።