ሽቶታት ልምዓት ኣፍሪካ ንምዕዋት ነዚ ዘበን ዝምጥን ስርዓት ስታትስቲክስ ምህናፅ ወሳኒ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ሽቶታት ልምዓት ኣፍሪካ ንምዕዋት ነዚ ዘበን ዝምጥንን ብሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተደገፈን ስርዓት ስታትስቲክስ ምህናፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ ገሊፀን።
መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ብሄራዊ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።



ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ ኣብዚ እዋን፤ ዓውዲ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዘርኣዮ ዕቤት ንኢደን።
እቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ንምምዕባል ዕድላት ዲጂታል ለውጥን ሰብ ስራሕ ብልሕን ብኣግባቡ ምጥቃም ወሳኒ እዩ ኢለን።
ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ስትራቴጂ ምጥዕዓም ካልኣይ ኣህጉራዊ ስታትስቲክስ ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ምውዳድ ስታትስቲክስ፣ህንፀት ዓቕምን ዘተኣማምን ሓበሬታ ኣብ ምፍልፋልን ርኡይ ምምሕያሽ ከምዘርኣየት እውን ሓቢረን።
እቲ ስትራቴጂ ቁልፊ ጉዳይ እታ ኣህጉር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ምስ ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካ፣ሽቶታት ዘላቒ ልምዓትን ካልኦት ኣህጉራዊ ማዕቐፋትን ዝተጠዓዓመ፣ክልካዕ ዝኽእልን ልዑል ፅሬት ዘለዎን ስታትስቲክስ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ እናጠናኸረ ከምዝኾነ ተዛሪበን።



ስታትስቲክስ ቻርተር ኣፍሪካ ኣብ ስርዓት ስታትስቲክስ ኣፍሪካ መሰረት ሕጊ ኮይኑ እናገልገለ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ እዚ ድማ መትከላት ሞያዊ ነፃነት፣ምውዳድን ምርግጋፅ ፅሬትን ከምዘተባብዕ ፀሪሐን።
እቲ ቻርተር ከም ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን፣ፈጠራ፣ቅልጡፍ ስታትስቲክስ ከምኡ እውን እናዓበየ ምስ ዝመፀ ድሌትን ሓደሽቲ ጭቡጣት ኩነታትን ተዛማዲ ኮይኑ ንክቕፅል ዝተጀመረ ከይዲ መመሓየሺ ዝተባባዕ እዩ ኢለን።
ክሳብ ሕዚ እቲ ቻርተር ዘይፈረማን ዘየፅደቓን ኣባል ሃገራት ንክፍርማን ኣፅዲቐን ተግባራዊ ንክገብራን እውን ፃውዒት ኣቕሪብን።
ብምትሕብባር፣ብፈጠራን ሓባራዊ ሓላፍነትን ንለውጢ ኣፍሪካ ዝድግፍ ህንፀት ጠንካራ ስርዓት ስታትስቲክስ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም