ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ጠንካራ፣ዘበናውን ዝተዋደደን ስታትስቲካዊ ስርዓት ብምትሕብባር ንምህናፅ ቆራፅ እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ጠንካራ፣ዘበናውን ዝተዋደደን ስታትስቲካዊ ስርዓት ብምትሕብባር ንምህናፅ ቆራፅ እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ልምዓት ኣፍሪካ ዝድግፍ ጠንካራ፣ዘበናውን ዝተዋደደን ስታትስቲካዊ ስርዓት ብምትሕብባር ንምህናፅ ቆራፅ ከምዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ብሄራዊ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ንዘሎ ዝተሓላለኸ ኢኮኖሚያዊ፣ማሕበራዊ፣ስነ ህዝብን ከባብያውን ፀገም ውፅኢታዊ ምላሽ ንምሃብ እዋናዊ፣እምነት ዝግበረሉን ዝተጠዓዓመን ሓበሬታ ስታትስቲክስ ወሳኒ እዩ።
ስታትስቲክስ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ትልምን ብሓበሬታ ዝምራሕ ልምዓትን ንምስላጥ ቀንዲ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ዘበናዊ ስታትስቲካዊ ስርዓት ኣፍሪካ ጭቡጥ ውፅኢት ዘምፅኡ ፖሊሲታት ንምሕንፃፅ ኣድላይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብሔራዊ ትልምታት ልምዓት ንምሕንፃፅ፣በጀት መንግሥቲ ብኣግባቡ ንምምራሕ፣ ስእነት ስራሕ ንምቕናስን ካብ ምዝባዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ክሳብ ምዝባዕ ዕዳጋን ዘለዉ ቅልውላዋት ንምፅዋር ኣብ ዘተኣማምን ሓበሬታ ዝተመስረተ ኣሰራርሓ ምኽታል ግድን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ጠንካራ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምህናፅ እናሰርሐት እያ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚን ኣብ ጠንካራ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም።
መፍረያይነት ንምምሕያሽ፣ስርዓት ምግቢ ንምዕባይ፣ መሰረተ ልምዓት ንምስፍሕፋሕን ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅን ትኽክለኛ ስታትስቲክስ ኣድላይ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣገልግሎት ስታትስቲክስ ኢትዮጵያ ስራሕቱ እናማዕበለ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣተኣኻኽባ ዲጂታል ሓበሬታ ብምስፋሕ፣ ስርዓታት ሓበሬታ ምምሕዳር ብምምሕያሽን ወሰንቲ ዝኾኑ ስታትስቲክስ ቤተሰብ፣ኢኮኖምን ካልኦት ዘፈራትን እናፈልፈለ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኣፍሪካ ጠንካራ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምህናፅ ምምሕዳር ስታትስቲክስን ትካላዊ ነፃነትን ምጥንኻር፣ እኹልን ቀፃልነት ዘለዎን ፋይናንስ ስታትስቲክስ ምርግጋፅ ከምኡ እውን ኣብ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ውህደትን ምንባብን ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።
ልምዓት ብትምኒት ዘይኮነስ ብፍልጠት፣ትኽክለኛ ዓቕሚ ትንተና ስታትስቲክስን ኣብ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ትግበራን ከምዝዕወት ኣፍሊጦም።
ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ልምዓት ኣፍሪካ ዝድግፍ ጠንካራ፣ ዘበናውን ዝተዋደደን ስታትስቲካዊ ስርዓትን ብምትሕብባር ንምህናፅ ምስ ኩለን ኣባል ሃገራትን መሓዙት ልምዓትን ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት እውን ኣረጋጊፆም።