ብብርኪ ክልል ኣምሓራ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ

ደብረብርሃን/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ብብርኪ ክልል ኣምሓራ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ይካየድ ኣሎ።
እቲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ፤ "ዲሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሔራዊ ሓድነት"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።


ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ፋንቱ ተስፋዬ፣ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰአዳ ኣብዱራሕማን፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ኣሲያ ከማል፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልከድር ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን እቲ ክልልን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም