ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ነበርቲ ዘረጋገፁ ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ነበርቲ ዘረጋገፁ ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ነበርቲ ዘረጋገፁ ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዝተወደቡን ምትእስሳር ስራሕ ንዝተፈጠረሎምን 30 ሽሕ መናእሰይ ስራሕ ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቶም ሎሚ ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረሎም መናእሰይ ኣብ ዓውድታት ማኑፋክቸሪንግ፣ኮንስትራክሽን፣ግብርና ከተማ፣ንግድን ኣገልግሎትን ዝተወደቡ እዮም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ነበርቲ ዘረጋገፁ ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ መነባብሮ ነበርቲ ካብ መሰረቱ እናቐየሩ ዝርከቡ ዕድላት ስራሕ እናተፈጠሩ እዮም ኢለን።
እቶም ሎሚ ናብ ስራሕ ዝኣተዉ መናእሰይ እውን ጠንኪሮም ብምስራሕ ካብ ባዕሎም ብተወሳኺ ንተረባሕነት ካልኦት ክተግሁ ከምዝግባእ ሓቢረን።
እዚ ኣብታ ከተማ ብሰፊሑ ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረዲአን።